ዘስደምም እዩ ዘስደምም
እዚ እንዳ ሰማዕካስ ትም
ብደውና ውዲት ከደግም‘‘
_እንተ ንፋቐር ንሳነ_
ህግደፍ ዶ ምሻደነ
ዝያዳና ሐያል ምኾነ‘‘
__
እቲ ሐደ ተዳናጋጺ
ሐደ ከይንዕወት ዝቖጺ
ህግደፍ ደምና ይመጺ
ኣንፈቱ ሲሒቱ ቃልሲ‘‘
__
ቀዳሞት ምስ ኮና ትንክፍ
ነቲ ገዲፍካ ናብቲ ሕልፍ
ህዝቢ ይጸንት ብህግድፍ‘‘
__
ተቃውሞ ደንበ
ክንዲ ዝውስን ክጽበ
ኣይረኤናን ዝሰዓበ
ጨናፍር ኣብዚሑ ዘርከበ‘‘
__
ኤረና ዶ ብህግደፍ ትሕሎ
ተቓውሞ ደንበ ውልዕ ጥፍእ
ሐደ ጥርናፈ ረጊጹ ይወጽእ
ብኸምዚ ድዩ ሐርነት ከምጽእ‘‘
__
ዝረኣነዮ ኣየዛርበና በለት ግብጥሽ
ንሐደ ዕላማ ስራሕና ግምጥሊሽ
ሐደ ንቕድሚት ሐደ ንድሕሪት
ደለይቲ ፍትሒ በበይንና ንምርሽ‘‘
__
ዝሐበረ ፈትሊ ኣንበሳ ይኣስር
ኤርትራ ሰብ ክም ዘለዋ ዝነግር
ዕምሪ ጃንዳ ህግደፍ ክነሕጽር
ሕጂ የድሊ ኣሎ ዶብ ሰግር‘‘
ኤረና ዶ ብህግደፍ ትሕሎ
ኳሕ ኳሕ ሃገራዊ ባይቶ
መኒኻ ማዕጾ ክፉት እዩ እቶ
ዝሐበረ ቅልጽም መን ይዓግቶ‘‘
__
ሕማቕ ጅግና እንተ ወለደ ተቐለተ
ጅግና ሕማቕ እንተ ወልርደ ተዘምተ
እንበር ሕጊ ኣልቦ ጉጅለ ገበተ
ቀድም ብሕጊ ምተሐተተ‘‘
__
ሃየ ሕጂዩ ናይ ለውጢ እዋን
ኣብ ምንጎ ምስማርን ማርተሎን
ተቐርቂርና ኣለና ኤርትራዊያን‘‘
__
ዓለም ከም ሃገር ካብ ትፈልጠና
መበል 29 ዓመት ረጊጽና
ብጃንዳ ህግደፍ ሐሲርና
ኣብ ባይታ ወሪዱ ክብረትና‘‘
__
ሐደ ካብ ሚእቲ ክቃወሙ
99,ካብ ሚእቲ ጸሚሙ
ብፍርሒ ብኣፉ ተለጒሙ
ኣፎም ብልጉሙ ይራገሙ‘‘
__
ካብ ባይቶይ ባይቶኻ ምባል
መመሪጽካ ኣስማት ምዕዳል
ኣብ ጽላል ሃገራዊ ባይቶ ምዕሳል‘‘
__
ኣነ ይበልጽ ኣነእባ ጽባሕ ነርክበሉ
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኩሉ
ጽባሕ ንህዝቢ ኤርትራ ምስ ወግሐሉ
መሪሕ ይኸውን ቆጽሊ ዘውደቕናሉ‘‘
__
ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ‘‘ ንዲሞክራስያዊ ለውጥ ንቕድሚት።
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን‘‘ 18 10 2019‘‘ብኣባል ተ.ሐ.ኤ. በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።