መግለጺ መሪር ሐዘን‘‘ብምኽንያት ዕረፍቲ ሐርበኛ ገዲም ተቓላሳይ ኣሕመድ ሐዞት ሰክረተር‘‘ካብ ናይ ሐዘንኩም ተኻፈልቲ ኣባላት ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ‘‘ብዕረፍቲ ብጻይና ኣሕመድ መሪር ሐዘን እንዳ ተሰማዓና‘‘ንስውእ ኣሕመድ;;ረብና ኣብ ጀና ይቀበሎ ኣምላኽና‘‘ንስድራ ቤቱን ፈተውትን መቃልስቱን ድማ ጽንዓት ይሃበና ንብል።
ወይዛ ዓለም ዳንደ ዳነደ
ፍትሒ ሐሪምዎ ዝወለደ
ወደይ ጓለይ እንዳበለ ከደ
ጀጋኑ ከይዶም ብብሐደ‘‘
__
ዓድ ተኽሊየስ ሐባብ ሰሚዕኩምዶ
ብጻይ ኣሕመድ ሐዞት ግዜ ነዊሑ ዶ
ዓደቦኽ እንዳ ጠመትካዮ ብማዕዶ
ፍረ ቃልስኻ ከይረኤኻዮ ጋዶዩ ጋዶ‘‘
__
ከይገለጽካዮ ሰነድ ጉባኤ ኣዶባሐ
ንዓዲ ጀጋኑ ኢሰያስ ምስ መርሐ
መስዋእትና ኮይኑ ንጉሒላ ረብሐ
ኤርትራ ብውላድ 70 ኣበይ ረቢሐ‘‘
__
ወየ ወየ ሐድም ሕውየ ሕወየ
ታሪኽካ ክስንዶ ብዙሕ ተመንየ
ብማዕዶ ይብል ኣለኹ ወየ ወየ‘‘
__
ዝተቃለሰ ዶ ኣብ ስደት ይቕበር
ወዲ ሰብ ኣይነብርንዩ ታሪኽ እንበር
ሐርበኛ ኣሕመድ ብሰላም ዕረፍ
ተቃላሳይ ታሪኽ ገዲፉ እዩ ዝሐልፍ‘‘
__
ሐርበኛ ኣሕመድ ሐዞት
ተቐባሊ ጋሻ ከም ኣቦታቱ
ሐርበኛ ኣኽባሪ መቓልስቱ
ካብ ክዛረብ ክሰምዕ ዝፈቱ‘‘
__
መግለጺ መሪር ሐዘን‘‘ብሽም ኩሎም ሐርበኛታትን ዋዕሮታትን‘‘ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ‘‘ኣባላት ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ‘‘ብወኪል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።
__