ብምኽንያት ዕረፍቲ ሐርበኛ ፍትዊ ተኽለ ወየ
ብግጥሚ ሐወየ ሐወየ እንዳበልኩ ክፋነዎ ደልየ‘‘
ወረኺ ኣይጠዓመን ጀነቫ ጀነቮ
ፍትዊ እንታይ ረኺብዎ ንገርና እባ
እንዳባ ይሐቱ ኣለዉ ካብ ሩሑቕ ቀረባ‘‘
__
ሰብ ዶ ይነብር ታሪኽ እንበር
ታሪኽ ፍትዊ ዝፈልጦ ክነግር
ኣስመራን ከባቢኣን ትመስክር
ምስ ብጾቱ ሰሪሑ ምስትንክር‘‘
__
ፓልቶካት መርደእ በጺሑኩም ዶ
እወ ንሐድነት ምዕራፉ ጋዶዩ ጋዶ
ፍትዊ ንዓዲ ኹልና ተበጊስካ ዶ‘‘
__
ፍትዊ ዘይሕለል ተቃላሳይ
ልሳን ህዝቡ ዘይተዋላዋላይ
ኣምላኽ ይቀበልካ ብሰማይ
__
መቓልስተይ ካብ ተበገስካ
መግለጺ ሲኢነሉ ንታሪኽካ
ወየ ወየ እንዳበልኩ ክፈነወካ‘‘
__
ኣብ ዉዑይን ዝሑልን ዘእዊ
ወድቦይ ተኽለ ሐርበኛ ፍትዊ
ወየ ወየ ይብል ኣለኹ መፋነዊ‘‘
__
ወደቦይ ተኽለ እወ ንሐድነት
ሰረወታይ ኤርትራዊ ወደባት
ኣኺላ ዶ ናይ ምስንባትካ ሰዓት‘‘
__
ፍትዊ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጉዩ ዘሊሉ
ሐርበኛ ዘይከምቶ እንታይ ገደሲ ዝብሉ
ንፍትሒ ንድሕነት ህዝቡ ዝምድር ዓውኢሉ
ኣብዚ ሕማቕ እዋን ሐመድ ኣዳም ዘይተልብሰሉ
ጋይታ ጠባይ ኣፋኑውኒ ኢልካ ዶ ሕጅስ ኣኺሉ‘‘
__
ኣብዛ ሕማቕ እዋን ጉድ ተረኺቡ
ወየ ፍትዊ ወደቦይ ተኽለ ኣርኪቡ
ኣሰር ሐርበኛታት ብጹቱ ሲዒቡ‘‘
__
እዛ ዓለም ቆጸራ ዘይብላ እንታይ እሞ
ወደቦይ ተኽለ ሐመድ ዓደቡኡ ዝሐረሞ
ኣብ ገነቱ ይቀበልካ እንዳ በልኩ ክዛዝሞ‘‘
__
ንፍትዊ መንግስተ ሰማይ ጠሊ ንዓኹም
ንስድራ ቤቱን ፈተውቱ ጽንዓት ይሃብኩም
ብሽም ኤርትራዊያን ተኻፈልቲ ሐዘንኩም
ዋዕሮታትን ሐበኛታትን መቃልስቲ ኣቦኹም‘‘
__
ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና‘‘ፍትሒ ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ‘‘ስዕረት ንደመኛታት ህዝብና
ዓንገልቶምን‘‘ገጣሚ ብበርሀ ዑቅባዝጊ ኣባል ተሐኤ ሃገር ጀርመን።