Meinungen & Beiträge

ሐርበኛ ገብሪሂወት መሐሪ ብሰላም ዕረፍ: ሰብ ኣይነብርንዩ ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሕልፍ፣

18 April 2025 Administrator ትግ

ሐርበኛ ገብሪሂወት መሐሪ ብሰላም ዕረፍ

ሰብ ኣይነብርንዩ ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሕልፍ፣

__

ገብሪሂወት ማሐሪ ዓሪፍካ ዶ

ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ከበዶ_
_ንዓዲ ቀይሕ እንዳ ጥመተ ብማዕዶ፣

 

ተጋደልት ተሐኤ ንደርጊ ከሊኦም ሩፍታ_
ኣብ 75 ካብ _ቋሐይቶ ብማዕዶ _ክትጥምታ
_ሐርበኛ ተቃሊስካ እወ ንኤርትራ ንነጻነታ፣

 

ኣፋል ኢሉ ንጎባጢት ኢትዮጵያ

ንሰርጀንቲ ናይ ፖሊስ ምስ ደርበያ

ካብ ዓዲ ቀይሕ ንቋሐቶ ዝደየበ ብጉያ፣

_
ምስቶም _ንነጻነት ኣንጊሆም ዝወፈሩ ጀጋኑ_
ምስ ብጾቱ _ዝሐርነ ኣብ ኣኽራናት ቋሐይቶ_
_ንሐርበኛ ዝተቃለሰሉ ዓደቡኡሐርበቶ

ንወደቦይ መሐሪ ዓለም ብገፋሐ _ዝጸበበቶ
ካብ ተበገስካስ ኣብቲ ገፊሕ ሰማይ እቶ፣_

_
_ሐደ ካብቶም ኣብ ቋሐይቶ ዝጸንሑኻ 

ወየ ዕጫ  ሐርበኛታት ብጾት በጺሑኳ

ንወደባት ሐመድ ዓዲ ቀይሕ ዝሐረመካ

ወየ ወየ ኣብ ሃገር ጀርመን እታ ዝዕቆበትካ

ወየ ወየ ኣብ ካሰል ካብ ኮነ ሐመድ ድበኻ፣

_
ኣይጠዓመንን _እሞ ይብል ኣለኹ ወየ ወየ

ብማዕዶ ክፋነወካ እንዳበልኩ ሐወየ ሐወየ_
_ወየ ብሰላም ዕረፍ ሐርበኛ ኣያየ ኣያየ፣

_
_ንሙሉኣት ስድራ ቤቱ ጽንዓት ይሃብኩም ጠሊ ይግደፈልኩም ንመዋቲ ንገብሪሂወት መሐሪ ድማ እቲየዋህ ኣምላኻና ኣብ ገነቱ ይቀበሎ፣በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ኡሉም ጀርመን