Meinungen & Beiträge

መንዩ ደመኛና ደቂ ኤረ መንዩ ቆፎ ንህቢ ዝሰበረ

03 December 2019 Administrator ትግ

ምስ ወያነ ሐይሉ ዘስመረ

ትማሊ ብደምና ዝተቛመረ‘‘

_ኤርትራ ባጽዕን ዓሰብን ወደባታ_

ንኤርትራ ኤርትራዊያን ዋናታታ

ናታ ኣይትህብን ኣይትደልን ዘይናታ

ሐንቲ መዓልቲ ኣላ ቅሳነት ሩፍታ‘‘

__

ሕጂ ድማ መሊሱ ዓርዓረ

ምስ ኣቢዪ ውዲት ዝጀመረ

ናብ ባሕርና ዓይኑ ዝወርወረ‘‘

__

ሃገርና ኤርትራ ረኻቢት ጸበባ

ጅግና ዶ ተሳኢኑ ካብ እንዳባ

ብኢዱን እግሩን ተታሒዙ ህዝባ

ካብ ቱርኲ ኣትሒዛ ቅሳነት ዶ ረኪባ‘‘

                               

ነገር ዘይጸገበ ጓል ዋጣ ይሕጸ

ገለ ጸግዒ ንህውሐት ዝመረጸ

ገለን ምስ ህግደፍ ይቋጻጸ‘‘

__

ሕጂ ድማ ተሐጺብና ናብ ጭቃ

ሐዲሽ ጎብለል ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ

ኣቢዪ ኮይኑ ናይ ኤርትራ ጭቃ‘‘

__

ኣቦኻ ርገም ኣቦኻ መርቕ

ዝርገሙ ኣቦታት የብልናን

ዝምረቑ ኣቦታት ኣደታት እንበር

ብጀካ እቶም ከዳዓት ደቂ ሃገር‘‘

ድሕሪ ነጻነት ውን ኣይረኸበን ዓስቡ

መራሕ ጭፍራ እንዳ ሃረመ ኣፍ ልቡ

ጉሒላ ሳሕል መፍትሕ ንኣቢ ኣረኪቡ

ጅግና ተሳኢኑ ኣብ ገገዙኡ ተኾርምዩ

እግሪ ዘለዎ ኩሉ ንስግር ዶብ ተጓይዩ‘‘

__

ብጉራ ኣቢዪ ዝተጻሕፈ መጽሐፍ እንተ ተጻሕፈ

ህዝቢ ኤርትራ ክንደይ መከራን ሽግርን ዘየሕለፈ

ወደባት ይብል ኣሎ ኣይህብን ንሃገረይ ኣሕሊፈ

ኣብኣ ትደዮ ንማፍያዊ ጉጅለ ህግደፍ ዝደገፈ

ከም ሃይለ ስላሴ መንግስቱ ክጉሕፎም ጸራጊፈ‘‘

__

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።

__

__

__

__