ኣይፋልክን ግርህነተይ
ህግደፍ ኣይኮኑን ናተይ;;
ኣቱም ደቂ ኤረ
ጌጋ ከይንደግም ንተዓረ;;
__
ሐቀኛ ተመሲሉ ዘረባ ዘጸበቐ
ኣድጊ ዘይብሉ በቕሊ ምስ ነዓቐ
ኣንነት በዚሑ ህዝቢ እንዳ ሐቐቐ;;
__
ዝገብር ነዲኡ ነይነግር
ንዓመታት እንዳበልና ስመር
ኣብ ኣዳራሻት ክንብል ዓረር,;
መኒኻ ታ
ንጀጋኑ ኣብ ሐደጋ ዘእቱ
ሰብ ኣኪብካ ንፋስ የእቱ
ተጠንቀቑ ትብሎም ንሸፋቱ;;
ሐቂ ዝሐዘ እዩ ዝዕወት
ቦታ የለን ንጃህራ ንኣንነት
ሩሕቕ ኣይኮነን 24 ጉንበት;;
__
ብቀትሪ ብለይቲ;ውቅብቲ
ወደብና ባጽዕ ምጭውቲ;
ወኻዕካዕ ሐሪምዋ
ተዋሒጣ ብጽምዋ
ህግደፍ ከለዉ ዶ ኣሎ ራህዋ;
__
ካብ ወኻዕካዕ ናብ በረውሮው
ናይ ኢትዮጵያዊያን ሃለውሎው
ዘይባሕሮም ክውንኑ ቀንፈዞው;;
ዘረባ ኣብዚሕና ደቂ ኤርትረያ
ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላስ ናበይ ጉያ
ዓሰብ ንኢማራት ባጽዕ ንኢትዮጵያ;
__
ኤርትራ ካብ ጥንቲ
ኣይነበርክን ዶ ዓዲ ሕጊ
ኣይነበርክን ዶ ዓዲ ፍትሒ
ዓዲ ጀጋኑ ዓዲ ርትዒ;;
እንታይ ሕጂ
እዚ ኩሉ ደም ፈሲሱኪ
ፍትሒ ሐሪምዎ ህዝብኺ;;
ሃገርይ ብዉሑዳት ትሳሐጊ;;
__
እዚ ኩሉ መንእሰይ ዋጋ ከፊሉ
ንህዝቢ ካብ መግዛእቲ ክወግሐሉ
ካብ ኢትዮጵያ ኣጋላጊሉ
ኣብ ምንቲ ምንታይዩ እዚ ኹሉ;;
__
ዓሳ ሃብቲ ደቂ ዓፋር ኤርትራ ክገፋ
መራክብ ኢትዮጵያ ብናይ መን ተስፋ
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ከንሳፍፋ;;
__
ከም ህዝቢ ኣልጀርያ ሱዳን ቁዱስ ቅንኢ
ደቂ ኤረ ኣለኩምዶ ናይ ሐርነት ጽምኢ
ኣብ ዓድና ቀሲና ክንነብር ንመጻኢ;;
__
ንሱን ንጥፍኣትና ሴፉ ይስሕል
ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድንድል
ዓዲ ጀጋኑ ዶ ክብል;;መፍትሕ ድንግል
ደቂ ኤረይ ሐቂ ንፍቶ ሽፍንፍን ያኣክል;;
__
ያኣክል ንተቀበልቲ ሕድሪ
ንተመን ብእምኒ ወይ ብበትሪ
ሪኢናዮ ወ ደም ጀጋኑ ክዛሪ
ብያኣክል ኣይወግሔትን ምድሪ፣
__
ንኢትዮጵያዊያን ብረት እንዳ ዓደለ
ንኤርትራዊያን ብረቶም እንዳ መንጠለ
እዚ ሰራም ማፍያዊ ጉጅለ
ብዘይ ብረት ኣትሪፍዎም ጃለ;;
__
ክንዲ ኣብ ባይታ ዓደቦና ንገጥሞ
ኣብ ኣዳራሻት ምስ ኮነ ተቓውሞ
ንቃልስና ዑሱባት ኣዋፊሩ የዳኽሞ፣
__
ብህግደፍ ተፈሪድና ፍርዲ
ደቀባት ንደገ ኣምሐራ ንዓዲ
ንሕና ኣብ ናይ ያኣክል ድራማ
ብሕቡእ ኣጀንዳ ወዲ ማማ
ኤረና ሰራዊት ኢትዮጵያ ወሪሮማ;;
__
ቁሪ ናበይ ኢኻ ናቶም ሃብታማት
እቶም ድኻታት ከ ንሶምስ ትሑዛት
ኣብዚ 28 ዓመት ሽማዊ ነጻነት
ንሕና ሕድ ሕድ ክንማናጨት
ዓዲ ጀጋኑ እንዳ ረኤና ክትዝመት
ብሽፍንፍን ኣይራጋገጽንዩ ሐርነት;;
__
በትሪ ሐቂ ትቀጥን
እንበር ኣይትስበርን
ኤርትራ ንኤርትራዊያን
ብያኣክል ሕጂ ውን
ኣይሐልፈልኩምንዩ ህግደፋዋያን;;
__
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ካብ ዉሽጡ ሑሩር;; ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ;ሃገር ጀርመን።