mekaleh-eritra.org
  • መቓልሕ
  • እዋናዊ ዜና
    • ርእሰ ዓንቀጽ
    • ዜና ትግርኛ
    • الأخبار العربية
    • News English/Deutsch
    • ቪድዮ Video فيديو
    • ካሪካቱር Caricatur
  • እዋናዊ ዓንቀጽ
    • ሓተታ
    • ግጥሚታት
    • ርእይቶ
    • ቃለ መጠይቕ
    • መልእኽትታት
  • መግለጺታት
    • ጋዜጣዊ መግለጺ
    • ሓበሬታ
    • ኣገዳሲ ቆጸራታት
    • ቃል ሓዘን
    • ወግዒ ም.ቍዉምነገር
  • ኣገደስቲ ሰነዳት
    • ታሪኽ ኤርትራ
      • ሕግታት እንዳባታት ኤርትራ
    • ሰልፍታት ኤርትራ
    • ሰነዳት ው.ሕ.ሃ
    • ፖለቲካዊ
    • ቁጠባዊ
    • ማሕበረሰባዊ
  • መራኸቢ ብዙኃን
    • መርበባት
    • ራድዮ ማዕከናት
      • ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
      • ድምጺ ኣመሪካ - VOA
      • ራድዮ ሽቱትጋርት ጀርመን
      • ራድዮ ወጋሕታ
      • ረድዮ ኤረና
    • መጽሔታት
      • ህዝባዊ ደሞክራሲ
      • ሓባሪት ባይቶ
    • ረክላም
  • ሓላፍነት መበብና
    • ኢምፕረሲዩም
    • ኣቀራርባ ድርሰታት
    • ብዛዕባና - ዕላማና
    • ተወከሱ(ሳ)ና
  • Relying on Eritrea’s Military for Democratic Transition Is a Risk We Can’t Afford – A reply to “Looking Beyond Isaias”
  • Looking beyond Isaias: Complexities of the make-up of the Eritrean population, past and present – a help or hindrance?
  • Why federalism or democratic decentralization in Eritrea?
  • ሐርበኛ ገብሪሂወት መሐሪ ብሰላም ዕረፍ: ሰብ ኣይነብርንዩ ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሕልፍ፣
  • Eritrea is not a safe Country
  • Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
  • Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities
  • Ethiopian, Eritrean officials accused of war crimes
  • ኣብ ኲናት ትግራይ ተዓዲመ ኣትየ፡ ብዝፈጸምክዎ ተግባር ከኣ ተመስጊነ፡ ተመጒሰ
  • ልዕልና ግዝኣተ-ሕጊ ምድኻም፡ ስነ ሞጎት ሓይሊ ምንጋስን፡ እዋናዊ ዓለም-ለኻዊ ብደሆ እዩ፡
  • ኤርትራ ሎሚ ኣብ ድሮ 4ይ ኹናት ኣንጻር ኢትዮጵያ ፡
  • ግዳይ “ቤላ ቤሎ” ፕሮፖጋንዳ ዝኾኑ ሰባት
  • ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘይብሉ ኣካላዊ ልፍንቲ የፍርስ‘ምበር ኣየዐውትን።
  • Jobe Sees High Likelihood of Eritrea-Ethiopia Conflict, Intervention of Other Powers
  • Ethiopian Gov’t Disowns the View That Eritrea Is Using TPLF Faction
  • Eritrean Forces Operating with Impunity in Tigray, Abuses Ongoing- UN Confirms
  • Looming Ethiopia-Eritrea Tension: Is new cycle of armed conflict imminent?
  • ናይ ሓሳብ ሓድነት ዘይብሉ ኣካላዊ ልፍንቲ የፍርስ‘ምበር ኣየዐውትን።
  • ዮሃና ንመበል 50 ዓመት ወርቓዊ ኢዮቤልዩ: ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ  ህዝቢ ትግራይ
  • Bill to deport Eritrean migrants who back regime passes preliminary Knesset reading

We have 58 guests and no members online

ዜና ትግርኛ

“የለኻን ንዝበለካ ኣይተፈጠርካን በሎ”

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 22 September 2023

ኣብ ኤርትራ ንፖለቲካዊ ተፈጥሮ ፈራሕ ጨካን እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ መግዛእቲ ኣብ ምልላይ ነዊሕ ግዜ’ዩ ወሲዱ። ሕጂ’ውን ውሑዳት ዘይኮኑ ወገናት ካብ’ቲ ዝተዛበዐ ኣረኣእያ ሓራ ኣይወጽኡን።  እታ ሃገር ምስ ዝመጸትሉ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእታዊ ቃልስን ኣብኡ ዝተኸፍለ ዋጋን ዝነበረ ምረትን ብምትእስሳር፡ ኣደራዕ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንቋዕ ኣልገሰ’ምበር ዘቤታዊ መግዛእትስ ሓላል’ዩ ብዘስምዕ ዝተቐበሉ ኣለው’ዮም። ጠንቅን ሳዕቤንን መንገዲ ዓወትን ውድቀትን ዘርኢ ብቑዕ ቀላሲ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዓዂኹ ስለ ዘይወጽአ፡ ፖለቲካዊ ሽግር ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝንጸር ተደዋዊሱ።

Read more: “የለኻን ንዝበለካ ኣይተፈጠርካን በሎ”

ርዝነት ፖለቲካ፡ ብህዝባውነት፣ ፍትሓውነት፣ መትከላዊ ጽንዓት፣ ተወፋይነት’ዩ ዝስፈር።

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 15 September 2023

ቅኑዕ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝበሃል፡ ኣብ ህዝባዊ ሰላም፡ ህዝባዊ ደሞክራሲ፡ ህዝባዊ ልምዓትን ዕቤትን፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ልክዕ ዝኾነ ሚዛናዊ ርድኢት ምስ ዝተሓዝ’ዩ። እዞም ኣገደስቲ ረቛሒታት እዚኣቶም ብህዝቢ ክውነኑ’ሞ፡ ልኡላውነት ህዝቢ ምሉእ ንምሉእ ብዘተኣማምን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ዝኸውን  ቀጻልነት ዘለዎ ኣስተምህሮ ምስ ዝወሃብ’ዩ። ወዲ-ሰብ ካብ ተፈጥሮ ድዩ ሰብ ዝሰርሖ ጸልማት ናብ ብርርሃን ክወጽእ፣ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ተናጊፉ ዝሓሸን ውሑስን ማሕበራዊ ህይወት ክረክብ’ዩ ዝምነ።  ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ድሑር ኣተሓሳስባ ናብ ዝማዕበለ ስልጡን ኣተሓሳስባ፡ ካብ ዓዘቕቲ ድኽነት ናብ ዝጭበጥ ልምዓታዊ ዕቤት፡ ካብ ኣድልዎን ዓፈናን ናብ ዘተኣማምን ማሕበራዊ ፍትሒ ብኸመይ ክበጽሕ ይኽእልን ግን፡ ነቲ መንገዲ ኩሉ ብማዕረ ዝርደኦ ኣይኮነን። እቲ ተረዲእዎ ዝበሃል’ውን ብሓደ ግዜን ብምልኣትን ኣይውንኖን።

Read more: ርዝነት ፖለቲካ፡ ብህዝባውነት፣ ፍትሓውነት፣ መትከላዊ ጽንዓት፣ ተወፋይነት’ዩ ዝስፈር።

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ሓባራዊ ጸላኢ ምውጋድ ዝካኣል ሓባራዊ እምነት ብምሓዝ፡  ብልፍንቲ ጸኒዕካ ብምቅላስ እዩ፡  

Details
Written by: ደግሓኤ
Published: 11 September 2023

ሃገራዊ ቃልስና ንናጽነት ኣብ ዝካየዶ መስርሕ ቃልሲ ንክዕወት 30 ዓመታት ወሲድሉ፡ጸረ-መላኺ ስርዓት ህግደፍ እነካይዶ ዘለና ሓርነታዊ ቃልሰና 30 ዓመታት ወሲዱን ገና ዝቕጽል ዘሎን ቃልሲ እዩ፡፡ብሓፈሻዊ ህዝባዊ ቃልስና ኣብቲ ቀዳማይን ካላኣይን ደረጃታት ቃልሲ ልዕሊ 60 ዓመታት ተኻይዱ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕጂ’ውን ገና ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘሎ እዩ፡፡ህዝባዊ ቃልስና ስለምንታይ  እዩ ብዙሕ ዓመታት ወሲድሉን ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሉን ዝኸፍል ዘሎን ኢልና ጉድለታቱ ንምርኣይ ምስ እንፍትን መልሱ ቀሊል እዩ፡፡

Read more: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ሓባራዊ ጸላኢ ምውጋድ ዝካኣል ሓባራዊ እምነት ብምሓዝ፡  ብልፍንቲ ጸኒዕካ ብምቅላስ እዩ፡  

ሕሉፋት ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ምፍጻሞም ሓቂ ሎሚ ምስ’ቶም ናይ ሽዑ ገበነኛታት ደቆምን ደቂ-ደቆምን ተመሓዚኻ ህዝቢ ምጽናትከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 11 September 2023

ኤርትራዊ ሃገርነት ክውን ብምግባር ጨካናት ገዛኢት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ፡ ኢ-ሰብኣውን ኢ-ሞራላውን ተግባራት ሓንሳእን ንሓዋሩን ብሓይልን ብሕግን ቀቢርካ፡ መሰረታዊ ሓርነታዊ መሰላት ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ብድምር 50 ዓመት ዝወሰደ ሰላማውን ደማውን ቃልስን ኣብኡ ዝተኸፍለ ሰብኣውን ነዋታውን ክቡር ዋጋ ረሲዕካ፡ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ምሕረት ሓደ ህድግለነ ዘይብሉ ብደም ሰብ ዝሰኸረ ሰብ ምስጋድ ምብርካኽ ምስተራእየ፡ ንለባማት ንቡር ይጠፍእ ዘይንቡር የመጽእ ከም ዘሎ ብሩህ ነይሩ።

Read more: ሕሉፋት ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ምፍጻሞም ሓቂ ሎሚ ምስ’ቶም ናይ ሽዑ ገበነኛታት ደቆምን ደቂ-ደቆምን ተመሓዚኻ ህዝቢ...

ቀስ ብቀስ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኪገማማዕ ይጅምር ኣሎ። ቃልስና ቀጻሊ ይኹን

Details
Written by: ራዲዮ ኤረና & ኤሪ ሳት
Published: 30 August 2023

https://twitter.com/radioerena/status/1696621231338926547?s=61&t=U-5Cm4d6gNo3rpvx-JXGvA

 Breaking News❗️ Adem Osman, Chargé d’affaires of the Embassy and Permanent Mission of #Eritrea in #Geneva, #Switzerland defected and asked for asylum. Adem was a leading defender of the #Eritrean regime in the #UN #HumanRights Council

@UN_HRC
 
“ እቲ ህግደፍ ንዕለት 2 መስከረም ኣብ ስዊዘላንድ ኣዳልይዎ ዝነበረ ናይ ጽልኢ ፈስቲቫል ከም ዘይካየድ ፖሊስ ኣፍሊጦም”

ጋዜጣዊ መግለጺ ጥርናፈ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ነበርቲ ስዊዘርላንድ

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ካንቶን በርን ሩፈንናኽት ኣብ ዝተባህለ ቦታ ንባሕቲ መስከረም ተጸጊዑ ንዕለት 2 መስከረም 2023 ከካይዶ መዲብዎ ዝነበረ ዓቢ ናይ ጽልኢ ፈስቲቫል መደብ፣ እቲ ብፕላን ኤን ቢን ተጠርኒፉ ክቃለስ ዝጸንሐ መንእሰይ ብርጌድ ንሓመዱን፣ ናይ ሕጊ ኪኢላታትን ገዳይም ተቃለስትን ንሕጋዊን ሰላማውን መንገዲ ቀዳምነት ሂቦም “ወፍሪ ንስለ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ” ዝብል ጭርሖ ኣንቂሎም ንምፍሻሉ ብንጥፈት ክንቀሳቀሱ ቀንዮም። እቲ ዝተዋሃሃደ ቃልሲ ድማ ፍረ ሂቡ ኣሎ። ንሱ ድማ ኣዘዝቲ ፖሊስ ናይቲ ከባቢ እቲ ዕግርግር ክኣጉድ ተሓሲቡ ዝነበረ ናይ ጽልኢ ፈስቲቫል ከምዘይካይድ ብጽሑፍ ኣፍሊጦምና ኣለው።

እንተኾነ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ፍልልያት ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኡ ስለ ዝነብር፣ ፍልልያት ፈጢሩ ከይኣኽሎ ዓመት መጸ ናይ ጽልእን፣ ዓሌትነትን በንዚን እንዳወሰኸ ከጓሃህሮ ስርሐይ ኢሉ ሒዝዎ ስለ ዘሎ፣ ኩሎም ንስለ ሰላምን ስኒትን ህዝቦም ዝሓልዩ ተቃለስቲ፣ ካብ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝኾነ ይኹን ምንቅስቃሳት ምስ ዝርእዩ ናብ ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ጥርናፈ ደለይቲ ፍትሒ ወይ ድማ ንኣብ ቀረብኦም ዝርከብ መደበር ፖሊስ ብኣጋ ከፍልጡ በዚ ኣጋጣሚ ንሕብር።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!!

ጥርናፈ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ነበርቲ
 
 

መሪሕ ቀላሲ ፖለቲካን ተባዕ ናይ ተግባር ሓይልን ይናበቡ ይተሓባበሩ

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ (ደግሓኤ)
Published: 24 August 2023

ታሪኽ ኤርትራዊ ሃገርነት ብቐጥታ ምስ መግዛእታዊ ታሪኽ ዝተኣሳሰር፡ ብሰንሰለታዊ መግዛእቲ ዝሓለፈ፡ ብእምቢታ ቃልስን መስዋእትን ብመንገዲ ህዝበ ውሳኔ (ረፈረንዱም) ሃገራዊ ልኡላውነቱ ክውን ብምግባር፡ ኣካል ልኡላውያን ሃገራት ዓለም ከም ዝኾነ ኣየካትዕን። ታሪኽ ኤርትራዊ ሃገርነት ብቐጥታ ምስ መግዛእታዊ ታሪኽ ዝተኣሳሰረዩ ክበሃል እንከሎ፡ ብውሽጣዊ ምዕባለ ዘይኮነ ብግዳማዊ ሓይሊ ማለት ብመግዛእቲ ጣልያን ዝተወልደ፡ ብደረጃ ዓለም ኣፍልጦ ዝረኸበ ካርታ ሃገርነት ከም ዝጀመረን ንምርዳእ’ዩ። ብሰንሰለታዊ መግዛእቲ ዝሓለፈ ክበሃል እንከሎ፡ ቅድሚ 1890 ኣብ ናይ ሎሚ መሬት ኤርትራ ኣትዮም ዝነበሩ፡ ከም ቱርኪ፣ ግብጺ፣ ፖርቱጓል፣ ማህዳውያን፣ መሳፍንቲ ትግራይ ከይሓውስካ፡ ብመግዛእታውያን ስርዓታት ጣልያን፣ እንግሊዝ፣ ኢትዮጵያን ብምፍርራቕ ከም ዝተገዛእና ንምርግጋጽ’ዩ። ብእምቢታ ቃልስን መስዋእትን ክበሃል እንከሎ ከኣ፡ ብወሳኒ መልክዑ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብእንግሊዝን መሓዙታን ተሳዒሩ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ መግዛእታዊ ምሕደራ ተሓዲጉ ምስ ወጸአን ኤርትራ ብውሳኔ ሓያላን ሃገራት ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ን10 ዓመት ክትጸንሕ ድሕሪ ዝተወሰነ ዓማጺ ብይን ክሳብ ምግባር ህዝበ ውሳኔ (ረፈረንዱም) 1993 ዝነበረ ነዊሕ ናይ ምርብራብ መስርሕ፡ ኣብኡ ዝተኸፍለ ኩለ-መዳያዊ መስዋእቲ፡ ዝተመዝገበ ሃገራዊ ሓርበኛዊ ጀግንነት፡ ዝተፈጥረ ጥሙር ሃገራዊ ስምዒትን ብጥቕልሉ ንምምልካት’ዩ።

Read more: መሪሕ ቀላሲ ፖለቲካን ተባዕ ናይ ተግባር ሓይልን ይናበቡ ይተሓባበሩ

  1. ናብ ሓባር መግለጺ ብዛዕባ ስርሒታት ብ ብርጌድ ንሓመዱ ” ዝተ ፈጸሙ ቅያ ታት ህዝቢ
  2. ፋሽሽትነት ገበን ‘ምበር ጀግንነት ኮይኑ ኣይፈልጥን
  3. ዝተረደኦን ዝተወደኦን’ዩ
  4. ኣብ ሽወደን ዘሎ ሃዋሁ ተኣምር'ዩ! እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ጀሚሩ'ሎ
  5. ናይ ሓዘን መግልጺ፡ ንዕረፍቲ መምህር ተስፉ ዘውደ
  6. ነቂልካ ዶ ተስፉ ጅግና ወዲ ኤረ፡ ወደቦይ ዘውደ በዓል ቁምጣ ስረ
  7. መርድእ
  8. ጀርመን ንኤርትራውያን ዝምልከት ዘጽደቐቶ ሓድሽ ሕጊ

Page 11 of 17

  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15

Designed by pickjoomla.com