mekaleh-eritra.org
  • መቓልሕ
  • እዋናዊ ዜና
    • ርእሰ ዓንቀጽ
    • ዜና ትግርኛ
    • الأخبار العربية
    • News English/Deutsch
    • ቪድዮ Video فيديو
    • ካሪካቱር Caricatur
  • እዋናዊ ዓንቀጽ
    • ሓተታ
    • ግጥሚታት
    • ርእይቶ
    • ቃለ መጠይቕ
    • መልእኽትታት
  • መግለጺታት
    • ጋዜጣዊ መግለጺ
    • ሓበሬታ
    • ኣገዳሲ ቆጸራታት
    • ቃል ሓዘን
    • ወግዒ ም.ቍዉምነገር
  • ኣገደስቲ ሰነዳት
    • ታሪኽ ኤርትራ
      • ሕግታት እንዳባታት ኤርትራ
    • ሰልፍታት ኤርትራ
    • ሰነዳት ው.ሕ.ሃ
    • ፖለቲካዊ
    • ቁጠባዊ
    • ማሕበረሰባዊ
  • መራኸቢ ብዙኃን
    • መርበባት
    • ራድዮ ማዕከናት
      • ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
      • ድምጺ ኣመሪካ - VOA
      • ራድዮ ሽቱትጋርት ጀርመን
      • ራድዮ ወጋሕታ
      • ረድዮ ኤረና
    • መጽሔታት
      • ህዝባዊ ደሞክራሲ
      • ሓባሪት ባይቶ
    • ረክላም
  • ሓላፍነት መበብና
    • ኢምፕረሲዩም
    • ኣቀራርባ ድርሰታት
    • ብዛዕባና - ዕላማና
    • ተወከሱ(ሳ)ና
  • Destabilization as Modus Operandi: Eritrea and the Sudan Conflict
  • ጠንቂ ፖለቲካዊ ሕማም ኤርትራ ኤርትራዊ፡ ፖለቲካዊ መድሓኒቱ ከኣ ኣብ ኢድ ኤርትራውያን፡-
  • US pauses all pending green card applications from 19 'countries of concern'
  • Eritreans lose their Norwegian citizenship for falsely claiming they fled from the Eritrean regime
  • ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ኣብ ጎዶቦናን ኣህጉርናን ዝተኻየዱ ክልተ ወተሃደራዊ ፍጻሜታት፡-
  • ለበዋ ንኹሎም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ዙርያ ማዕከናት ዜና ንዝነጥፉ ዘለው ተቓለስቲ፡-
  • ብርጌድ ንሓመዱ ግዝያዊ ጭርሖ ዝኣከቦ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ’ምበር፡ ሓደ ሓጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይነበረን።
  • ግዝኣታዊ ልኡላውነትና ከይድፈር፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድፋዕ ፖለቲካዊ ድሕረት ይሰበር።
  • With the media focused on Gaza, Christians across Africa fall to a globalizing jihad
  • No internet, no social media, no digital activity; 99% people in this country live life in old, traditional way
  • Pro-Eritrea TPLF says ready for war against Ethiopia
  • ግዝኣታዊ ልኡላውነትና ከይድፈር፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድፋዕ ፖለቲካዊ ድሕረት ይሰበር።
  • ብምኽንያት መበል 64 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ዝወጸ፡ ውድባዊ መግለጺ፡
  • Booming cross-border gold smuggling by the Eritrean and Tigrayan military
  • Army 15 Opposes TPLF, Calls Peaceful Resolution to Contested Areas
  • US State Department Report on Human Rights in Eritrea
  • ዘርእን ቦታን ዘይፈሊ ቅኑዕ ሰብኣዊ ሕልናን ፍትሓዊ ፖለቲካዊ መርገጽን ብኩሉን ኣብ ኩሉን ይጠጥዕ።
  • This African country has no mobile internet access; here’s the surprising truth behind its digital blackout
  • News: Eritrean Afar National Congress says ready armed struggle from Ethiopia, opens office in Semera
  • ነቲ ሕቡእ ዘግሃደ “ጽምዶ” ዝኸፍአ ጫፍ ፖለቲካዊ ክድምናን መግደፍን።

We have 76 guests and no members online

ዜና ትግርኛ

ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ካብ ደምበ ፈትሒ ናብ ደምበ ጸላኢ ዝውግን ናይ ፖለቲካ ዘላን ጥራሕ’ዩ።

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 19 November 2023

መጀመሪያ ኣርእስቲ ጽሑፈይ፡ ናብ’ቶም ንጹር መርገጽ ዘይብሎም ተንሳፈፍቲ ፖለቲከኛታትን መሰልቶምን ጥራሕ ዘነጻጸረ ምዃኑ፣ ምስ’ቶም ደረጃ ማሕበረ ቁጠባዊ ምዕባሌና ዝፈጠሮ ሰበኽ-ሳግማዊ (ዘላን) መነባብሮ ዘሕልፉ  ወገናትና ዘተኣሳስር ከም ዘይብሉ ኣንበብቲ ብቕንዕና ክትርዱኡለይ ኣዘኻኽር። ቀጺለ ናብቲ ቀንዲ መልእኽተይ ክኣቱ፡-

 ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ብመንጽር ፖለቲካዊ ተፈጥሮኡን ተግባሩን ንህዝቢ ኤርትራ ፈታዊ ድዩ ጸላኢ? ብኸመይ ከ ክግጠም ኣለዎ? ብኩለመዳያዊ ቃልስ’ዶ ብሰላማዊ ኣገባብ ጥራሕ? ክመጽእ ዝድለ ለውጢ ኸ መሰረታዊ ለውጥዶ ዶ ጽገናዊ ለውጢ? ጠንቂ ናይ’ቲ ንህዝቢ ኤርትራ ሰለሎ ዘእተዎ ብዶብን ባድመን ተመኽንዩ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናት ከ መን’ዩ?  ብእንኮ-ሰባዊ ስርዓት ተገፊዕና ተዋሲና መሰልና ተነፊግና ኢሎም፡ ናቶም ውደባ ፈጢሮም ምስ ዝቃለሱ ዘለው ዝተፈላለዩ ውድባትን ምንቅስቓሳት ክህሉ ዝግባእ ናይ ቃልሲ ዝምድና ‘ኸ ከመይ ይኹን ዝብል ዛዕባ ሓደ ካብ’ቲ መን እንታይ ባህሪኡ ንመንከ ውግንናኡ ዝግለጸሉ መፍትሒ ከይተገብረሉ ዝቐጸለ ኣዛራቢ   ጉዳይ ምንባሩ ይፍለጥ’ዩ።

Read more: ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ካብ ደምበ ፈትሒ ናብ ደምበ ጸላኢ ዝውግን ናይ ፖለቲካ ዘላን ጥራሕ’ዩ።

ተርእዮ ዘይንቡር  ሕልናዊ ባርነት ኣብ ኤርትራ፡

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 13 November 2023

 መዛግብቲ ታሪኽን ምሁራት ስነ-ታሪኽን ከም ዘረጋግጽዎ መበገሲ ናይ’ዚ “ባርነት” ዝብል ኣምር ዋንነት ትሕዝቶ ነገራዊ ሃብቲ’ዩ።  ምንጪ ዕለታዊ መግቢ ናይ ቀደም ሰባት ካብ ሃደን እንስሳ ዘገዳምን ፍረታት’ዩ ዝርከብ ነይሩ። ነቲ ማእሪሮም ዝረኸብዎ እቶት ኣብ ምክፍፋል ድማ ይጋጨው ነይሮም። ኣብ’ቲ ግጭት ሰዓርን ተሰዓርን ይኾኑ። ዝሰዓረ ጎይታ ዝተሳዕረ ኣገልጋሊ ወይ ጊላ ይኸውን ስለ ዝነበረ፡ ባሪያ (ባርነት) ብኸምዚ ከም ዝጀመረ ይሕብሩ። እቶም መዛግብቲ ታሪኽን ምሁራት ስነ-ታሪኽን ነዚ ናይ ጉልበታዊ ዕዮ ግዱድ ባርነት ኢሎም’ዮም ዝገልጽዎ።

Read more: ተርእዮ ዘይንቡር  ሕልናዊ ባርነት ኣብ ኤርትራ፡

ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ወሳኒ መድረኽ

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 06 November 2023

ፖለቲካ ኤርትራ ዕድመ ጸገብ’ዩ። ይኹን ግን ማዕረ ዕድሜኡ ይስጉም ይሰፍሕን ይምዕብልን የለን። ብተግባር ካብ ዓመት ናብ ዓመት ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ናብ ኩሉ-መዳያዊ ምዕባለ፡ ድሕሪት ተመሊሱ ሽውላለ ክብል’ዩ ዝረአ ዘሎ። እዚ ተርእዮ’ዚ ነቲ ኣስታት ልዕሊ 80 ዓመት ዘቑጸረ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ንሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ኣብኡ ዝተኸፍለ ዕድመ ንእስነት፡ ኣካላዊ ጉድኣት፡ ናይ ህይወትን ነዋትን መስዋእቲ፡ ናብ ትርጉም ዘይብሉ ተራ ሞት ኣውሪዱ ባዶ ዘትርፍ ክፉእ ውድቀት’ዩ። እዚ ብክለሰ-ሓሳባዊ ተንታን ዘይኮነ ብዓይኒ ዝረአ ዘሎ ቅጽበታዊ ምህማም ልዕለ ቅርጻን ትሕተ ቅርጻን ምስክር’ዩ። ንድሕነቱ ብናይ ሓሳብን ተግባርን ውሁድ ቅልጽም ቅልጡፍ ምርብራብ እንተዘይተገይሩ፡ ነቲ ዝነበረ ክብርታት ኩሉ ናብ ነበረ  ዝቕይር፡ ከም ህዝቢ ህልውናና ዘስእን ዘይተለመደ ደወል መርድእ ቅድሚ ሞት’ዩ ዘስመዐና ዘሎ።

Read more: ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ወሳኒ መድረኽ

መውስቦ ብማሕበራዊ መዲያን ፖለቲካዊ ኣባልነት ኣብ እንኮ-ሰባዊ ስርዓትን

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 04 November 2023

መውስቦ ብማሕበራዊ መዲያን ፖለቲካዊ ኣባልነት ኣብ እንኮ-ሰባዊ ስርዓትን

ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ መውስቦን ፖለቲካ ኣባልነትን ናይ ግድን ክህልው ዘለዎም መሰረታዊ ነገራት’ዮም። ክህልው ዝገብሮም ከኣ፡ መውስቦ ኣብ ቀጻልነት ሕብረተ-ሰብ (ህዝቢ) ፖለቲካዊ ኣባልነት ድማ ኣብ መዳይ ምሕደራ ህዝቢ ብዘለዎም ወሳኒ ቦታ’ዩ። ህዝቢ ከም ህዝቢ ብወለዶታት እናተተኻኸአ ክቕጽል፡ ኣብ መንጎ ተባዕታይን ኣነስታይ ናይ ግድን መውስቦ ክህሉ ኣለዎ። ክዋሰቡ እንከለው ኸኣ ከም እንስሳ ብፍኑው ዘይኮነ፡ ስርዓት ዝተኸተለ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ህዝቢ ዝኣምነሉ ዘኽብሮን ሕጋዊ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን ስርዓተ መውስቦ ዝተኸተለ ክኸውን ይግባእ። ብፖለቲካዊ መዳይ ድማ፡ ንጹር ራእይን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን ዘይብሉ ህዝቢ ካብ ኣነባብራ እንስሳ ዝፈልዮ ስለ ዘይብሉ፡ ፖለቲካን ፖለቲካዊ ኣባልነትን ናይ ግድን ክህሉ ኣለዎ። ፖለቲካ  ከም ቀላሲ ወሳኒ ኩለንተናዊ ዛዕባ ህዝብን ሃገርን መጠን፡ ፖለቲካዊ ኣባልነት ሰብ ረኣኹ ኣካላዊ ምትእኽኻብ ክኸውን የብሉን። ሓሳብ ወይ ኣረእእያ መሰረት ዝገበረ ኣባልነት ክኸውን ይግባእ።

Read more: መውስቦ ብማሕበራዊ መዲያን ፖለቲካዊ ኣባልነት ኣብ እንኮ-ሰባዊ ስርዓትን

ነጋሪት ውግእ ድምጹ እናበርትዐ ብዝኸደ፡ ናይ ደግፉና ኣውያት ሸፋቱ ህግሓኤ/ህግደፍ እናተሰምዐ ይኺድ’ምበር፡

Details
Written by: Super User
Published: 25 October 2023

“እዚኣ’ውን ኣይክትከውንን’ያ”

ካብ’ቲ ኣውያት ቐዳማይ ኽፋሉ

 

“ . . . . . እቲ ዝገርም ግን፣ ቀ/ሚ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኩናት ብስልሕም ኣቐዲሙ ወጢንዎ ምንባሩን ምዕዶታት መንግስቲ ኤርትራ ዕሽሽ ክብል መሪጹ ዝነበረ ሰብ'ዩ።

 

እምበኣርከስ ናይ'ዚ ዕሸል ጌጋታት ብንጹር ንምቕማጥ፥ 

#1 

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ 2018 ኣትሒዙ፣ መንግስቲ ኢትዮጲያ ነቲ ምስ መራሕቲ ወያነ ዝነበሮ ምስሕሓብ ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሖ ካብ ምምዓድ ዓዲ ኣይወዓለን። ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፣ ፕ/ት ኢሰያስ ኣፎርቂ ኣብ ክልል ትግራይ ኩናት ክህሉ ከም ዘይብሉ ንቀ/ሚ ኢትዮጲያ ብግልጺ ነጊሩዎ'ዩ። ንመራሕቲ ወያነ'ዉን ኣብ ህድኣት ክዓስሉ ካብ ምምካር ቦኺሩ ኣይፈልጥን። ምስ ፕ/ት ትግራይ ነበር ዶ/ ደብረጼን ኣብ ዝተገብረ ርክብ'ዉን፣ ፕ/ት ኢሰያስ ኣፎርቂ፣ ኣብ ዞባና ግጭት ከም ዘየድሊ ብግልጺ ምዒዱ'ዩ። 

Read more: ነጋሪት ውግእ ድምጹ እናበርትዐ ብዝኸደ፡ ናይ ደግፉና ኣውያት ሸፋቱ ህግሓኤ/ህግደፍ እናተሰምዐ ይኺድ’ምበር፡

ካብ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረትን ወጻኢ፡ ተነጺልካ ምንባር ኣይከኣልን።

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 23 October 2023

ተደጋጊሙ ከም ዝተገልጸ ፖለቲካ ንኹሎም’ቶም ወዲ-ሰብ ኣብ ህይወቱ ክረኽቦምን ክግልገለሎምን ዘለዎ ክፍልታት (ትካላት)  ዘጣይስ ዝመርሕን ዝቆጻጸርን ኣውራ’ዩ። ንኣብነት ኩሎም ዓይነት ሚኒስትሪታት ማለት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ሕርሻ፣ ሃብቲ-ማይ፣ ዕደና፣ ገንዘብ፣ ዝምድናታት ወጻኢ፣ ንግዲ፣ ምክልኻል፣ ስርዓተ ፍትሒ ....ወዘተ ዝቖምሉ ዝምርሕሉን ዝመርሑልን ሕግታትን ውጥንን ኣውጺኡ ዘመሓድር ክፍሊ’ዩ። ስለዚ ፖለቲካ ብቐጥታ ንከመይነት ምሕደራ ህዝቢ ዝምልከት ወሳኒ ክፍሊ ብምዃኑ፡ ክሕደት ዓመጽ ምቅትታልን ስለ ዘይፍለዮ ይትረፈኒ ባዕሉ ይፈልጥ ኢልካ ክትገድፎን ካብኡ ወጻኢ ክትነብርን ኣይከኣልን። እታ ትረግጻ መሬት ብፖለቲካ’ያ ትመሓደር። እታ ትነብረላ ገዛ ኣብ ትሕቲ ፖለቲካ’ያ። ዕለታዊ ካብን ናብን ትገብሮ ምንቅስቓስ፡ ትረኽቦ ፍርያት ብቐጥታ ምስ ፖለቲካ ዝተኣሳሰረ’ዩ። ብሓጺሩ ከም’ቲ ዓሳ ብዘይ ማይ ክነብር ዘይኽእል ወዲ-ሰብ’ውን ካብ ፖለቲካ ወጻኢ ምዕሩይን ውሑስን ህይወት ክነብር ኣይኽእልን።

Read more: ካብ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ደርባዊ ማሕበራዊ መሰረትን ወጻኢ፡ ተነጺልካ ምንባር ኣይከኣልን።

  1. ሓባራዊ ጸገምና ብሓባር ክንፈትሕ፡ ውጽኢት ካብ ዘየምጽእ ዝተለምደ ኣካይዳ ንውጻእ።
  2. እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ጉጅለ ብሕጋዊ ዓይኒ ኣይኮነን ንህዝቢ ሓደ ከባቢ ንህግደፍ ኣይውክልን
  3. ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ
  4. “የለኻን ንዝበለካ ኣይተፈጠርካን በሎ”
  5. ርዝነት ፖለቲካ፡ ብህዝባውነት፣ ፍትሓውነት፣ መትከላዊ ጽንዓት፣ ተወፋይነት’ዩ ዝስፈር።
  6. ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ሓባራዊ ጸላኢ ምውጋድ ዝካኣል ሓባራዊ እምነት ብምሓዝ፡  ብልፍንቲ ጸኒዕካ ብምቅላስ እዩ፡  
  7. ሕሉፋት ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ምፍጻሞም ሓቂ ሎሚ ምስ’ቶም ናይ ሽዑ ገበነኛታት ደቆምን ደቂ-ደቆምን ተመሓዚኻ ህዝቢ ምጽናትከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?
  8. ቀስ ብቀስ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኪገማማዕ ይጅምር ኣሎ። ቃልስና ቀጻሊ ይኹን

Page 12 of 19

  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16

Designed by pickjoomla.com