ፖለቲካ ኤርትራ  ዛጊት ትርጉም ዘለዎ ቀላሲ መሪሕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይረኸበን። ኣብ ርእሲኡ ተቖጻጻሪ ዘይብሉ ፍኑው  ማሕበራዊ መራኸቢታት  ስለ ዝተፈጥረ፡ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብን ተልእኾ ፖለቲካዊ ውድብን  መመሊሱ ይዛባዕን ንድሕሪት ይምለስ ኣሎን። ገለ ውልቀ ሰባት፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ትካላት ሜድያን ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ ህልዊ ህዝባዊ ወጽዓን ህዝባዊ ሓላፍነትን ዘዛብዕ፡  ዕማም ፖለቲካዊ ውድብ ፖለቲካዊ ስልጣን ምሓዝ’ዩ ብዝብል ካብ ስነ-ፍልጠት ዝረሓቐ መልእኽቲ የመሓላልፉ ኣለው። እዚ ብኣጋ ክራሕ ዘለዎ፡ ህዝቢ ንመሰሉ ብንቅሓት ተወዲቡ ኣንጻር ደመኛታት ጸላእቱ ከይቃለስ ዘደናግር ድሑር መልእኽቲ’ዩ።

  ጠንቂ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበጽሕ ሰብ ዘምጸኦ ፖለቲካዊ ዓፈና ብኽልተ ምኽንያት ክግለጽ ይከኣል። ቀዳማይ፡ ብቐጥታዊ ግዳማዊ መግዛእቲ ዝመጽእ ጎቦጣ ሃገራዊ ልኡላውነት ከም ሳዕቤኑ ዝኸሰት ኩለንተናዊ ባርነታዊ ምሕደራ። ካልኣይ፡ ዘቤታዊ መግዛእቲ ዝኽተሎ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ ዝመንቀሊኡ ጥሕሰት መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት። እዚ ብመልክዑ ደኣምበር፡ ብባህሪኡን ብተግባርን ብዙሕ ፍልልይ ዘይብሉ ፖለቲካዊ መግዛእታዊ ዓፈና ብህዝባዊ ቃልሲ ጥራሕ’ዩ ዝውገድ። ምኽንያቱ ዝተነፍገ ህዝባዊ መሰል ብምሉእን ንቑሕን ህዝባዊ ተሳተፎ  ‘ምበር፡ ብተበግሶ ውሑዳት ፖለቲከኛታት ጥራሕ ኣይምለስን። ጭቡጥ ኣብነት፡  ህዝቢ ኤርትራ ብሳላ ምሉእ ኩለ-መዳያዊ ተሳትፎኡ፡ ተወፋይነቱን ክቡር መስዋእቱን’ዩ ወናኒ ልኡላዊት ሃገር ኮይኑ።  

 ዶባት፡ መሬት፣ ባሕሪ፣ ሰማይ ግዝኣታዊ ልኡላውነት ኤርትራ ሎሚ ንጹር’ዩ። ኣብ’ዚ ክበጽሕ ግን ብፍኑው ኣገባብ ኣይኮነን። ብፖለቲካዊ ውድባት ተመሪሑን ተወዲቡን እምቢ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ኢሉ ብዝሓረነ ህዝቢ፡ ንስለዚ ህዝባዊ ሕቶ፡ ካብ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ስቓይ ክሳብ መስዋእቲ ብዝኸፈሉ ውፉያት ደቂ-ህዝቢ’ዩ። ናይ’ቲ መድረኽቲ ገዛኢ ኣተሓሳስባ፡ ምስ ኩሉ ዝነበሮ ድሑር ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፡ ናብ ኣካላዊ ጎነጽ ዝዘምበለ ግጉይ  ምሕደራ ካልኣዊ ፍልልያት፡  ኣማዕድዩ ዝጥምቶ ነጻ ልኡላዊት ሃገረ ኤርትራ ‘ምበር፡ መን ዝተባህለት/ዝተባህለ ውልቀ ሰብ ወይ ፖለቲካዊ ውድብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ይጭብጥ ውድድር ኣይነበረን።

 እቲ ሕቶ ህዝባዊ፡ ተልእኾ ፖለቲካዊ ውድባት ህዝባዊ፡ ዝኽፈል መስዋእቲ ህዝባዊ፣ ዝሕፈስ ዓወት ህዝባዊ’ዩ ዝብል ገዛኢ ኣተሓሳስባ’ዩ ነይሩ። ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣልጊስካ ኣብ ነጻ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም፡ ልኡላውነት ህዝቢ ዘረጋገጸ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ንምስፋን ደኣምበር፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝገደፎ ናይ ስልጣን ባዶነት  ብገለ ኢደ ወነናዊ ፖለቲካዊ ውድብ ብኣካል ንምምላእ ዝብል ሕልሚ ኣይነበረን። ከምኡ ዓይነት ሕልሚ እንተነይሩ ድማ ግጉይን ናይ ውልቀ ሰባትን ‘ምበር፡ ንርድኢት ህዝብን ፖለቲካዊ ውድባት ከም ውድባትን ዝውክል ምንባሩ ዘረጋግጽ መርተዖ የለን። ህዝቢ ካብ ውሽጡ ፖለቲካዊ ውድብ ይፈጥር፡ ብኡ እናተመርሐ ኣብ እንግድዓኡ ንዝተጻዕኖመግዛእታዊ ኣደራዕ ይስዕር ይዕወት እዚ’ዩ እቲ ስነ-ፍልጠታዊ መግለጺ፡ ኣድላይነትን ተልእኾን ፖለቲካዊ ውድብ። ተልእኾ ፖለቲካዊ ውድብ ፖለቲካዊ ስልጣን ምሓዝ’ዩ ዝብል ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓስ ግን፡ ምስ ሓቂ ዝጋጮን መሰረት ዘይብሉን’ዩ።     

 ህዝቢ ኣንጻር መሰረታውያን ጸላእቱ ተቓሊሱ ወናኒ መሰሉ ክኸውን  ክውደብ ኣለዎ። ክውደብ ድማ ናብ ህዝቢ ዝወገነ ክሳብ ምሉእ ዓወት ንመስዋእቲ ዝተዳለወ፡ ህዝቢ ድማ ብርድኢት ብንቕሓት ናተይ ኢሉ ዝኣምነሉ  ዝመርሖ ፖለቲካዊ ውድብ ክረክብ ኣለዎ። እቲ ፖለቲካዊ ውድብ ስማዊ ዘይኮነ፡ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ባህሪኡ፡  ዝምረሓሉ ናይ ርሑቕ ርሕቀትን ቀረባ ርሕቀትን ንጹር ህዝባዊ ዕላማ ዝወነነ፡ ሕጋዊ ትካላዊ ቅርጻ ድማ ዘለዎ ክኸውን ይግባእ። ኣድላይነትን ተልእኾን ፖለቲካዊ ውድብ፡ ህዝቢ ኣንቂሑ፡ ወዲቡ፡ ኣዕጢቑ ንኹሎም መልከዓት ጸላእቲ ስዒሩ፡ ህዝቢ ዋና ልኡላዊት ሃገሩን     ልኡላዊ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ክኸውን ምግባር’ዩ።

 ስለዚ፡ ህዝቢ ወናንን ወሳንን ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ክኸውን  ብኣረኣእያ ብሕግን ብተግባርን ዝቃለስን ዘቃልስን ፖለቲካዊ ውድብን፣ ብፈጠራዊ ኣስካሪ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓስ ብኣካል ኣብ ርኻብ ፖለቲካዊ ስልጣን ደይቡ ክገዝእ ዝደሊ ፖለቲካዊ ውድብ ዝስሙ ተበላጽን ሓደ ኣይኮኑን። ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልይ መሰረታዊ’ዩ። እቲ ብኣረኣእያ፡ ብሕግን ብተግባርን ንስለ ልኡላውነት ህዝቢ ዝቃለስ ሓቀኛ’ዩ። ወዲ-ህዝቢ’ዩ። እቲ ኣድላይነትን ተልእኾንን ፖለቲካዊ ውድብ ብዝኾነ ኣጋጣሚ ብኣካል ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ምሕኳር’ዩ ኢሉ ዝኣምን ከኣ መደናገሪ’ዩ። ጸረ-ህዝቢ’ዩ።

 ስለምንታይ’ሲ ኩሉ ብስም ፖለቲካዊ ውድብ ነብሱ ዘላሊ ጸገም ህዝቢ ንምፍታሕ ዝተበገሰ ሓቀኛ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ውድብ’ዩ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ወድዓዊ ጸገም ተሓቢኡ፡ ህዝባዊ ዝመስል ጭርሖ እናደጋገመ ንውልቃውን ጉጅላውን ነገራዊ ጠቕሙ ዝሰርሕ ተበላጺ ኣሎ። ንግዳማዊ መግዛእቲ ድዩ ኣብ ስልጣን ንዘሎ ብህዝቢ ዝተጸልአ ጸረ-ህዝቢ ዘቤታዊ መግዛእቲ ብኣስካሪ ፕሮፖጋንዳዊ ስብከት፡ ብመስዋእቲ ደቂ-ህዝቢ ኣልጊሱ  ብኢደ ወነኑ ብኣካል ንዝተፈጥረ ባዶ ናይ ስልጣን ቦታ መሊኡ ህዝቢ ኣምበርኪኹ  ምግዛእ ናይ መወዳእታ ሸቶኡ ዝገበረ ፖለቲካዊ ውድብ ኣሎ። ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት ከይንጸር፡ ወጽዓና ከይሓጽር ክተሓላለኽን ክንወሕን ዝገብር ዘሎ  እዝን ከምዝን ዝበለ ምድውዋስ’ዩ።

 ተልእኾ ፖለቲካዊ ውድብ  ብኣካል ኣብ ርኻብ ፖለቲካዊ ስልጣን ምድያብ’ዩ ዝብል፡ ንሕኑን ናይ ቃልስን ለውጥን ፍናን ዘጉድም ናይ ድሑራት ድሑር ወፍሪ ምዃኑ፡  ክንቀሓሉን ብምዕቡል ኣተሓሳስባ ክግራሕን ይግባእ። መበገስን ሸቶን ሓቀኛ ፖለቲካዊ ውድብ ብኣውዲቕካ ሕለፍ ቅድሜኻ ንዝነበረ ገልቢጥካ ኣብ ርኻብ ፖለቲካዊ ስልጣን ምድያብ ፍጹም ኣይኮነን። ቀንዲ ዋኒኑ ኣብ መቓብ ኣረጊት ጸረ-ህዝቢ ዘቤታዊ መግዛእቲ፡ ጸረ-ድሕረትን ድኽነትን ዘቕነዐ ምዕቡል ኣተሓሳስባ፡ ህዝቢ ናተይ ኢሉ ዝተቐበሎ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም፡ ቅኑዕ ፖሊስ ምቕራጽን ምትእትታውን’ውን’ዩ። ህዝባዊ ልኡላውነት ምርግጋጽ’ዩ። መለለዪ ሓቀኛ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ውድብ ኣካላዊ ግዝፉ (ብዝሒ ኣባላቱ፡ ዝውንኖ ሃብትን ኣጽዋር ውግእን) ኣይኮነን። መግለጺኡ ህዝባዊ ኣረኣእያኡ፡ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ዝጸደቐ ናይ ርሑቕን  ቀረባን (ስትራተጂን ስልትን) መትከላቱ’ዩ።

ምኽንያቱ ህዝባዊ ዝኾነ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ጾታዊ፣ ጸገም ካብ ጽፉፍ መጽናዕቲ፡ ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ንጹር ፕሮግራም፡ ሕጋዊ ትካላዊ ተሓታትነት ወጻኢ፡ ብሰናይ ድሌት ብትምኒት ብግዝያዊ ኣስካሪ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓስ ብኣካላዊ ምትእኽኻብ  ብሆታን ዕልልታን ኣይረጋገጽን። ብሓጺሩ ነቲ ፈጣሪ ጸገም ዝኾነ ግዳማዊ ድዩ ዘቤታዊ መግዛእቲ ኣካል ብኣካል ምቕያር ተልእኾ ሓቀኛ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን። ኣድላይነትን ተልእኾን  ሓቀኛ ፖለቲካዊ ውድብ  ንግጉይ ፖሊሲ ብቕኑዕ ህዝባዊ ረብሓ ዘረጋግጽ ፖሊሲ ምቕያር’ዩ።  ህዝቢ ፈታዊኡን ጸላኢኡ ብግቡእ ፈሊጡ ክቃለስ፡ ኣብ ጭቡጥ ዓቕሙ ተኣማሚኑ ካብ ድሕረትን ድኽነትን ክናገፍ ኣብ ምግባር ብሓሳብን ተግባርን መሪሓዊ ተራ ምጽዋት’ዩ  ኣድላይነትን ተልእኾን ሓቀኛ ፖለቲካዊ ውድብ።

ሎሚ ኣብዘሓ ካብ ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ከቢድ ኩለንተናዊ ሽግር ከም ዝርከብ ክለሰ-ሓሳባዊ ተንታን ዘድልዮ ኣይኮነን። ጠንቂ ናይ’ዚ ድማ ግዳማዊ መግዛእቲ ኣይኮነን።  ካብ ኣብራኽ  ህዝብታት ዝተወልደ፡ ትማሊ ነጻነት ኣምጺአ፡ ሎሚ ድማ ግዝኣታዊ ልኡላውነት ኣብ ምውሓስ ተጸሚደ ኣለኹ ዝብል እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ መግዛእቲ’ዩ። ዘቤታዊ መግዛእቲ ናይ ግድን ክውገድ ኣለዎ። ክውገድ ከኣ፡ ተልእኾኡ ብኣካል ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ምድያብ ዝገበረ ስማዊ ፖለቲካዊ ውድብ ዘይኮነ ብሓቂ ብኣረኣእያን ተግባሩን ህዝባዊ ዝኾነ ተቓሊሱ ዘቃልስ መሪሕ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ውድብ ክፍጠር ኣለዎ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ ንምውጋድ ቤታዊ ገዛኢ ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ማዕበላዊ ምንቅስቓሳት፣ በርገስ ማሕበራት ብዙሓት’ዮም። ኣድማዕነቶም ግን ምስ ብዝሖም ኣይነጻጸርን።  ኣረኣእያኦም፡ ንዕድሜኦምን ብህዝቢ ንዝለዓል ዘሎ ናይ መሰል ሕቶን ኣይምጥንን። ፖለቲካዊ ሕሜታ፡ ተራ ምትህልላኽ፡ ከይሰራሕካ ውልቀ ስልጣንን ዝናን ክትረክብ ምድላይ ዝለዓለ ቦታ ኣብ ዝሓዘሉ መድረኽ ኢና ንርከብ ዘለና። ናብ ህዝቢ ዝወገነ ስልጡን ደርባዊ ፖለቲካዊ ፍሕፍሕ ዛጊት የለን። እዚ ከኣ ካብ ብቑዕ ቀላሲ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዘይምርካብ ዝምንጩ መግለጺ  ቅልውላው’ዩ።

 ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘቤታዊ መግዛእቲ ፖለቲካዊ ተፈጥሮኡ ጸረ-ህዝቢ፡ ተግባሩ ፈራሕ ጨካን ፋሽሽታዊ፡ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ ግዜ ኣዝዩ ነዊሕ 35 ዓመት ክንሱ፡ ነዚ ዝጎሲ ተልእኮ ፖለቲካዊ ውድብኮ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ምሓዝ ኢሎም ዝጉስጉሱ እንክትሰምዕ የደንጹ። ልዕሊ 80 ዓመት ዘለዎ ፖለቲካ ታሪኽ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝብለ ዝርገተ ሓሳብ ምውዳቑ የሕፍር።  ህዝቢ ናይ ህልውና ሓደጋ ኣጋጢምዎ ህይወት ንምስግጋር ተበታቲኑ ናብ ስደት ኣብ ዝውሕዘሉ፣ ካብን ናብን ምንቅስቓስ ብወግዒ ኣብ ዝተኣገደሉ፣ ብድሕረትን ድኽነትን ክማስን ኣብ ዝተፈርደሉ፣ ዓድታት ኤርትራ ብናይ ሰብ ደርቂ ኣብ ዝተጠቕዓሉ፣ ባህላውን ሃይማኖታውን ስሩት ክብርታት ህዝቢ ኣብ ዝማህመነሉ፡ ሃገር ብዊንታ ሓደ ሰብ ኣብ ትዝወረሉ  ክፉእ መድረኽ፣  ተልእኾ ፖለቲካዊ ውድብ ብኣካል ፖለቲካዊ ስልጣን ምሓዝ’ዩ እናበልካ ምጉስጓስ ውጹእ ፖለቲካዊ በለጽ፡  ክሕደት ነቶም ስለ ድሕነትን ክብረትን ህዝቢ ኣካሎም ዝጎደሉ ብኽብሪ ዝተበጀውን ገና ብቕኑዕ ሕልና ዝቃለሱ  ዘለው ደቂ ህዝብን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ኣድላይነትን ተልእኾን ሓቀኛ ፖለቲካዊ ውድብ ናይ ኣተሓሳስባን ፖሊስን ለውጢ ምምጻእ’ምበር ብኣካል ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ምድያብ ጥራሕ ኣይኮነን።

                                                              ክብሮም ከሰተ

                                                               15 ለካቲት 2026