mekaleh-eritra.org
  • መቓልሕ
  • እዋናዊ ዜና
    • ርእሰ ዓንቀጽ
    • ዜና ትግርኛ
    • الأخبار العربية
    • News English/Deutsch
    • ቪድዮ Video فيديو
    • ካሪካቱር Caricatur
  • እዋናዊ ዓንቀጽ
    • ሓተታ
    • ግጥሚታት
    • ርእይቶ
    • ቃለ መጠይቕ
    • መልእኽትታት
  • መግለጺታት
    • ጋዜጣዊ መግለጺ
    • ሓበሬታ
    • ኣገዳሲ ቆጸራታት
    • ቃል ሓዘን
    • ወግዒ ም.ቍዉምነገር
  • ኣገደስቲ ሰነዳት
    • ታሪኽ ኤርትራ
      • ሕግታት እንዳባታት ኤርትራ
    • ሰልፍታት ኤርትራ
    • ሰነዳት ው.ሕ.ሃ
    • ፖለቲካዊ
    • ቁጠባዊ
    • ማሕበረሰባዊ
  • መራኸቢ ብዙኃን
    • መርበባት
    • ራድዮ ማዕከናት
      • ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
      • ድምጺ ኣመሪካ - VOA
      • ራድዮ ሽቱትጋርት ጀርመን
      • ራድዮ ወጋሕታ
      • ረድዮ ኤረና
    • መጽሔታት
      • ህዝባዊ ደሞክራሲ
      • ሓባሪት ባይቶ
    • ረክላም
  • ሓላፍነት መበብና
    • ኢምፕረሲዩም
    • ኣቀራርባ ድርሰታት
    • ብዛዕባና - ዕላማና
    • ተወከሱ(ሳ)ና
  • ካብ ዘለናዮ ድኹም ኩነታት ክንወጽእ፡ ነናትና ጉድለታት ኣለሊና ንኣርም።
  • ተልእኾ ሓቀኛ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ውድብ ብኣካል ኣብ ኮረሻ ስልጣን ምድያብ ጥራሕ ኣይኮነን።
  • ምጭዋይን ምልቃቕን፡ ምእሳርን ምፍታሕን ብዓይኒ ሕጊ በበይኑ’ዩ።
  • ኣብ ዳስ ዘቤታዊ ጸላኢ ከይድካ ምስዕሳዕ ከም ሰብ’ዶ ከም እንስሳ?
  • UN calls for unconditional release of about 10,000 Eritreans arbitrarily detained
  • Destabilization as Modus Operandi: Eritrea and the Sudan Conflict
  • ጠንቂ ፖለቲካዊ ሕማም ኤርትራ ኤርትራዊ፡ ፖለቲካዊ መድሓኒቱ ከኣ ኣብ ኢድ ኤርትራውያን፡-
  • US pauses all pending green card applications from 19 'countries of concern'
  • Eritreans lose their Norwegian citizenship for falsely claiming they fled from the Eritrean regime
  • ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ኣብ ጎዶቦናን ኣህጉርናን ዝተኻየዱ ክልተ ወተሃደራዊ ፍጻሜታት፡-
  • ለበዋ ንኹሎም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ዙርያ ማዕከናት ዜና ንዝነጥፉ ዘለው ተቓለስቲ፡-
  • ብርጌድ ንሓመዱ ግዝያዊ ጭርሖ ዝኣከቦ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ’ምበር፡ ሓደ ሓጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይነበረን።
  • ግዝኣታዊ ልኡላውነትና ከይድፈር፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድፋዕ ፖለቲካዊ ድሕረት ይሰበር።
  • With the media focused on Gaza, Christians across Africa fall to a globalizing jihad
  • No internet, no social media, no digital activity; 99% people in this country live life in old, traditional way
  • Pro-Eritrea TPLF says ready for war against Ethiopia
  • ግዝኣታዊ ልኡላውነትና ከይድፈር፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድፋዕ ፖለቲካዊ ድሕረት ይሰበር።
  • ብምኽንያት መበል 64 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ዝወጸ፡ ውድባዊ መግለጺ፡
  • Booming cross-border gold smuggling by the Eritrean and Tigrayan military
  • Army 15 Opposes TPLF, Calls Peaceful Resolution to Contested Areas

We have 57 guests and no members online

ዜና ትግርኛ

ካብ ዘለናዮ ድኹም ኩነታት ክንወጽእ፡ ነናትና ጉድለታት ኣለሊና ንኣርም።

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 28 March 2026

ቀዳማይ፡- ንኹሎም ካብ ህዝቢ ዝለዓሉ ናይ ተበዲልና ድምጽን መልክዕ ውደባን ዘኽብር  ኣረኣእያ ዝምልከት፡-

    ኣብ ደምበ ተቓውሞ ክሳብ ሕጂ ንዕዘቦ ዘለና፡ ንኹሎም ብብሄርና፣ ሃይማኖትና፣ ጾታና፣ ደርብና፣ ከባቢና ስለዝተገፋዕና መሰልና ከነውሕስ ብዝመስለና ፖለቲካዊ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን ንቃለስ ኣለና ንዝብሉ ወገናት ብጸጋ ተቐቢሉ፡ ሓቢሩን ተኸባቢሩ ክቃለስ ድልዊ ዝኾነ  ኣረኣእያ ኣሎ። እዚ ፈታውን ጸላእን፣ ቀዳማይን ካልኣይ ግርጭት፣ ከመይነት ኣመኻኽትኡን ብርሑቕን ቀረባን (ብስትራተጂን ስልትን) ኣነጺሩ  ሓቢሩን ተኸባቢሩ ክቃለስ ቅሩብ ዝኾነ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ። እዚ ድሕሪ ብዙሕ ውረድ ደይብ ቃልሲ ዝብጻሕ ፖለቲካዊ ሃብቲ’ምበር፡ ብድድ ኢልካ ብኣዋጅ ዝውነን ኣረኣእያ ኣይኮነን። 

  እንተኾነ እዚ ቅኑዕን ቅቡልን ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፕሮግራም ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመት ብደረጃ’ቲ ኣብ ህዝቢ ወሪዱ ዘሎ ወጽዓን ክሰርጽ ዝነበሮ ህዝባዊ ንቕሓትን ኣድማዒ ስራሕ ኣይሰርሐን። ኣብ ወረቐት ሰፊሩ ‘ምበር፡ ኣብ ህዝቢ ኣይተዘርአን።ኣብ ህዝቢ ብንቕሓት ስለ ዘይተወነነ ድማ እነሆ ፖለቲካ ኤርትራ መራግሒ ናይ ትምክሕትን ጽበትን ድሑራት ጫፋት ኮይኑ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ዛጊት መትከላት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መደብ-ዕዮ ዓጢቑ፡ ኣንጻር ዘቤታዊ ጸላኢ ተቓሊሱ ዘቃልስ መሪሕ ውድብ ኣይተፈጥረን። ቅኑዕ ህዝባዊ ዕላማ ክንሱ፡ ካብ እዝንን እምነትን ህዝቢ ርሒቑ ይርከብ። ስለምንታይ  ከምኡ ኮይኑ? እንታይ’ዩ እቲ ጠንቂ ብትኹረት ክሕሰበሉን ክእረምን ይግባእ።  

ካልኣይ፡- ናይ ርሑቕን ቀረባን (ስትራተጂን ስልትን) ፖለቲካዊ ውጥንን ኣፈጻጽምኡን  ዝምልከት፡-

  ኣብ ፖለቲካ ናይ ርሑቕን ቀረባን ዕላማታት ኣነጺርካ ምቕማጥ ፈጺሙ ዘይስገር መሰረታዊ ረቛሒ’ዩ። ናይ ርሑቕ (ስትራተጂ) ገዛኢ ኣተሓሳስባ፡ ናይ ቀረባ (ስልታዊ) ከኣ ካብ ስትራተጂ ዝቕዳሕ ብኡ ድማ ዝግዛእ ሜላ’ዩ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ህላወን ኣገዳስነት ናይ ክልቲኡ ሜላታት ኣሚንካን ኣኽቢርካን ምቅላስ ከኣ የድሊ። ብዝተሓተ መሰማምዒ ነጥብታት ሓቢርና ንሰርሓሉ ሰፊሕ ግንባር መስሪትና ንቃለስ ዝብል ጻውዒት ቅኑዕ’ዩ። ግን ከኣ ነጻነት ፖለቲካዊ ውድባት  ብሓሳብን ብተግባርን ዘኽብር ‘ምበር ዝዳፋእ ክኸውን የብሉን።  ህዝብና ይበታተን ስለ ዘሎ፡ እቲ ህዝባዊ ቃልሲ ክምረሓሉን ክበጽሖን ዘለዎ ናይ ርሑቕ (ስትራተጂካዊ)  ውጥን ሎሚ ንህዝቢ ክንምህረሉን ክንውድበሉን የብልናን ማለት ግን፡ ነገራት መሊሱ ዝደዋውስ ’ምበር ፍታሕ ዘምጽእ ኣይኮነን። 

  ናይ ብሄር ውደባ፣ ናይ ሃይማኖት ነጻነት፣ ጾታዊ ማዕርነት፣ ሕቶ መሬት፣ ቁጠባዊ ፖሊሲ፣ ከመይነት ምምሕዳራዊ ቅርጻ ሃገር ….ወዘተ ዝኣመሰለ ስትራተጂካዊ ዕላማታት ጽባሕ ‘ምበር ሎሚ ክንሰርሓሉ የብልናን። ብይጽነሓለይ ክውንዘፍ ኣለዎ ዝብል፡ ኣብ ጽባሕ ከመይ ከም ንበጽሕ ኣየርእን። ምኽንያቱ ኣብ ጽባሕ ከም ንበጽሕ ዘርእየና እቲ ናይ ርሑቕ ዕላማና’ዩ። ንዕኡ ገዲፍካን ብኡ ከይተዛረብካን ህዝቢ ዘድሕን ለውጢ ምምጻእ ይከኣል’ዩ ዝብል ኣረኣእያ፡   ቅድሚ 1991  ዝነበረ ተመሳሳሊ ግጉይ ፖለቲካዊ ርድኢት ምድጋም’ዩ ዝኸውን’ሞ እንተዝእረም።  

ሳልሳይ፡-  ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን ዘይምቕባል ዝምልከት፡-

ንስለ ውጹዕ ህዝቢ ኢና ንቃለስ ዘለና እናበልካ፡ ሓለፋ ህዝቢ ከም ዘለካ ብጉልባብ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ንርእይቶ ውጹዓት ዘይምስማዕ ነይሩን ኣሎን። ዜጋታት በቲ ዝያዳ ዝስመዖም እሞ ዘተኣኻኽቦም መልክዕ ውደባ  ንመሰሎም ኣንጻር ዘቤታዊ መግዛእቲ ንዝኽተልዎ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን ኣብ ክንዲ ቀሪብካ ምትብባዕ፡ ካብ ትሕዝቶኡን ሸቶኡን ወጻኢ ባዕልኻ ብዝመሃዝካዮ ክትገልጾን ከተጸልሞ ምፍታን ቅኑዕ ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነ ጸረ-ደሞክራሲ’ዩ።  

  ንስኻ ንዘይትደልዮ ኩሉ፡ እዚ ትሕቲ ሃገራዊ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን’ዩ። ድሑርን በታንን’ዩ። ኤርትራ ብናይ ክንዲ’ዚ ዓመት ቃልስን መስዋእትን ዝመጸት ሃገር ስለ ዝኾነት ከም’ዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣይትቕበልን ኣይተፍቅድን። ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ህዝቢ’ዩ። ብዘቤታዊ ጸላኢ ዝፍጸም ዘሎ ፋሽሽታዊ ተግባራት ከኣ ኣብ ኩሉን ንኹሉን ሓደ’ዩ። መፍትሒኡ ድማ ብፖለቲካዊ ኣረኣእያን መልክዕ ውደባን ከይተፈላለኻ ኣብ ሓንቲ ጃልባ ተሳፊርካ ብሓባር ምቅላስ ጥራሕ’ዩ ዝብል  ድፍን ዝበለ፡ ኣይሕግዝ ኣይሕገዝ፣  ከይሰርሐ ውልቃውን ጉጅላውን ስልጣን  ዘመዕዱ ድሑር  ኣረኣእያ ሓደ ካብ’ቶም ክእረሙ ዘለዎም ዕንቅፋት ናይ ለውጢ’ዩ።

ራብዓይ፡- ዘቤታዊ ጸላኢ ብዝኾነ መንገዲ ክውገድ ኣለዎ ዝብል ኣረኣእያ ዝምልከት፡-

  ብርግጽ ጠንቂ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ውድቀት ዘቤታዊ ገዛኢ ስለ ዝኾነ ክውገድ ኣለዎ። ንኣወጋግድኡ ዝምልከት ግን፡ ሕነ ምፍዳይ ብዝመስል ብዝኾነ መንገዲ ይወገድ ዘይኮነ፡ ብዝተጸንዐ፣ ዝተተንተነ፣ ናይ ኣረኣእያ ንጹርነት፣ ናይ ውደባ ስጥመት፣ ናይ ኣፈጻጽማ ኣድማዕነት ተቐሚጥሉ ብቐዳምነት ጸረ-ህዝቢ ባህሪኡን ፖሊሲኡን ብዘወግድ፡ ልኡላውነት ህዝቢ ድማ ብዘረጋግጽ ኣገባብ ብኤርትራዊ ውጥን ብኤርትራዊ ኣመራርሓን ክውገድ ኣለዎ ብዝብል ተነጺሩ ክቕመጥ ኣለዎ።   

  ዘቤታዊ ጸላኢ ብዝኾነ መንገዲ ክውገድ ኣለዎ ማለት ግን፡  ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፡ ናይ ፖሊሲ፣ ናይ ልዕልና ግዝኣተ ሕግን  መሰረታዊ ለውጢ ጠለብ ኣየመልክትን። እዚ ምረት ዝወለዶ ህውኽ ኣረኣእያ’ዚ ስዒቡ ክመጽእ ንዝኽእል ሕማም ደሓር ብግቡእ ዝተገንዘበ’ውን ኣይመስልን። ብዝኾነ መንገዲ ክብል እንከሎ፡ ዋላ ከም’ቲ ኣብ ዒራቕ፣ ሊብያ፣ ሶርያ፣ ቬኑዝዌላ፣ ኢራን …ዝተገብረን ዝግበር ዘሎን  ብግዳማዊ ሓይሊ ማለቱ ድዩ ዝብል ሕቶ ከተልዕል ዝድርኽ ዘይብሩህ ብምዃኑ፡ ክንጸርን ብፖለቲካዊ ንቕሓት ክግራሕ ዘለዎን ኣረኣእያ’ዩ።

ሓምሻይ፡- ኣብ  ድሑር ስምዒታት ክሕብኡ ዝደልዩ  ብዝምልከት፡-

ሀ.   እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ኣብ ሓጺር ግዜ ከይውገድ፡ ብገንዘብ፣ ብጸጥታ፣ ብፕሮፖጋንዳ፣ ዝከላኸልሉ ዘለው ደቂ-ሓደ ኣውራጃ’ዮም። ስለዚ ከኣ ማሕበራዊ መሰረት ዘቤታዊ ጸላኢ ተወለድቲ ሓደ ኣውራጃ’ዮም ዝብል ዘረባ ይስማዕ’ዩ። ናብ ሓቂ ዝቐረበ ርትዓዊ ፖለቲካዊ መረዳእታ ግን የብሉን።

    ዘቤታዊ ገዛእ  ከፋፊልካ ግዛእ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ’ዩ ዝኽተል። እዚ ማለት ግን ኣብ ኩሉን ከከም ኩነታቱን  እናተገላበጠ ንመናውሒ  ስልጣኑ ዝጥቀመሉ ‘ምበር፡ ኣብ ደቂ ሓደ ኣውራጃ ጥራሕ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ብጸረ-ህዝቢ ኣረኣእያኦም፣ ውድባዊ ድሕረ ባይታኦም፣ ውልቃውን ጉጅላውን ገንዘባውን ነገራውን ረብሓኦም፡ ፖለቲካዊ በሃምነቶም፡ ከይወድቕ  ዝከላኸልሉ መጋበርያታት ኣብ ኩሉ ኣውራጃ፣ ብሄር፣ ሃይማኖት ከም ዘለው ምርዳእ የድሊ። ስለዚ እቲ ማሕበራዊ መሰረቱ ኣብ ሓደ ኣውራጃ ከም ዝኾነ ዝቐርብ ክሲ ብጉድለት ፖለቲካዊ ንቕሓት ክምኽነየሉ እንተዘይኮይኑ መሰረት የብሉን።

 ብመሰረቱ ድማ ማሕበራዊ መሰረት ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ስልጣን  ብዝተቐመጡ ውልቀ ኣገልገልቲ ዝምዘን ኣይኮነን። እቲ ህዝቢ ከም ህዝቢ ብፍሉይ ናታይ ኢሉ ክቕበሎ ዝገብር ታሪኻውን  ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታ፣ ንገዛእ ርእሱ ካብ መቑሕ ድኽነት ወጺኡ፡ ንመንግስቲ ከም መንግስቲ ደው ከብል ዝኽእል  ገንዘባውን ነገራውን ደገፍ ዝገብረሉ ጭቡጥ ኩነታት ምስ ዝህሉ’ዩ። ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ግን ንእንኮ-ሰባዊ ገዛእ ብፍሉይ ክድግፍ ዝገብር ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ድሕረ ዘለዎ ኣውራጃ የለን፡፡ ከምኡ’ውን ኣይኮነን ብሓደ ኣውራጃ፡ ብደረጃ ሃገር’ውን ንሓደ ጸረ-ህዝቢ ገዛኢ ክስከም ዝኽእል ምንጪ ቁጠባዊ እቶት ከም ዘየለ ምርዳእ የድሊ።

 እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ደው ኢሉ ዘሎ፡ ብፖለቲካዊ መዳይ፡ ኣብ ዘይፖለቲካዊ ብቕዓትናን ዘይውሕደትናን’ዩ። ብዓይኒ ቁጠባ ከኣ፡ ኣብ ነጻ ጉልበት መንእሰያት ኤርትራ፣ ራስያ ገንዘብን ንብረትን ኤርትራውያን፣ ሽያጥ መሬት፡ መዓድናዊ ጸጋታት፣ ዘይሕጋዊ ንግዲ፣ ተለኣኣኺ ናይ ዓለማውን ዞባውን ጽልዋ ዘለዎም ሓይልታት ኮይኑ ዝረኽቦ እቶት ዝተመሰረተ’ዩ።እቲ ጭቡጥ ሓቂ እዚ ክንሱ፡ ነቶም ኣብ ጎኒኻ ኮይኖም ዝቃለሱ፡ ብዝተፈልየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ዝእሰሩ፡ ዝጭወዩ ዝቕተሉ፡ ብደረጃ ህዝቢ ብስም መሬት ናይ መንግስቲ’ዩ ካብ መሬቶም ዝንቀሉ፡ ብጃምላ ዝእሰሩ፡ ዝስደዱ ዘለው ውጹዓት ወገናት ግምት ዘይህብ፡ ሓለውቲ ኢደ-ወነናዊ ስልጣን እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ደቂ-ሓደ ኣውራጃ እናበልካ ምኽሳስ፡ ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ ካብ ምጉዳእ ሓሊፉ ኣወንታዊ ተራ ስለ ዘይብሉ ክእረም ኣለዎ።

ለ.  ተቓወምቲ ህግ/ህግደፍ  ደቂ-እከለ ኣውራጃ’ዮም ዝብል ነዊሕ ሱር ዘለዎ ጎስጓሳት ዝምልከት፡-

   ብርግጽ በዓል ቤት ናይ’ዚ ድሑርን ኣዕናውን ኣረኣእያ ጸረ-ህዝቢ ዘቤታዊ ገዛኢ’ዩ። ብዝኾነ እዞም ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙ ደቂ-ሓደ ኣውራጃኦም’ዮም ዝብሉ  ወገናት፡ ከም ሰባት ናትና ዝብልዎ ፖለቲካዊ ንባብን መርገጽን ዘይብሎም፡ ናይ ምሕሳብ ተኽእሎኦም ብኣስካሪ ፕሮፖጋንዳ ጸላኢ  ዝተሰልቡ’ዮም። ምኽንያቱ፡ ብናታቶም ኣገላልጻ ኣብ ኤርትራ ክትቃወም ዘገድድ፡ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ሕጋዊ፣ ምምሕዳራዊ፣ ማሕበራዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊ ዓፈና የለን’ዮም ዝብሉ ዘለው። እዚኦም ትእዛዝ  ዘቤታዊ ጸላኢ ከም ዘለዎ ካብ ምቕባልን ምትግባርን ወጻኢ፡ ኣይኮነን ብእዝኖም ዝሰምዕዎ ብዓይኖም ዝረኣይዎ ኣባይታ ዘሎ ሓቂ ዘይኣምኑ  ዕሙታት ኣምለኽቲ ምዃኖም ኣገንዝበኦም ኣማቲ’ዩ።

 ብርድኢቶም ኤርትራ ድምጺ ጥይት ዘይስመዓላ ኣብነታዊ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓታዊ ገስጋስ፡ ጽኑዕ ህዝባዊ ሕግን ግሉጽ መንግስታዊ ምምሕደራን ዘለዋ ሃገር’ያ። ኣብ ከም’ዚ ኩነታት ተበዲለ ምባል፡ ንመሰለይ ኢልካ ምቅላስ ገበንዩ። ዝቃወሙ ዘለው ድሑራትን ደቂ-ሓደ ኣውራጃውያን ’ዮም። እዚ ብኣረኣእያ ዝንቡዕ። ንዘየለ ሕግን ዘየመረጾ መንግስትን ዝከላኸልን ዘቆናጁን፡ ኣብ ህዝቢ ንዘንጸላሉ ዘሎ ናይ ህልውና ሓደጋ ዝኽሕድ፡ ንህዝቢ ከም ህዝቢ ድማ ዝንዕቕ ዕንቅፋት ናይ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ስለ ዝኾነ  ክግራሕ ይግባእ።    

ሐ.  ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ደጋፊ ሓደ ሃይማኖት’ዩ ዝብል ኣረኣእያ ዝምልከት፡-

 ብርግጽ ኣብ ኤርትራ ከም’ቲ ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን ሓርነታዊ መሰላት ዘየለ፡ ሃይማኖታዊ ነጻነት የለን። ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ትካላት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰዓብተንን ዝበጽሐን ዝበጽሕ ዘሎን ልጓም ኣልቦ ግፍዓዊ ተግባራት ብሩህ ስለ ዝኾነ ሓደ ክልተ እናበልካ ምዝርዛር ግዜ ምብኻን’ዩ ዝኸውን። ናይ እምነት ነጻነት ተነፊገ ኢልካ ንመሰልካ ምቅዋም ግን ቅቡል’ዩ። መግለጺ ብስለትን ትብዓትን ድማ’ዩ።

ጸረ-ህዝቢ ባህርን ፋሽሽታዊ ተግባርን እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ገዛኢ ሕርሕራይ ገይርካ እናፈለጥካ፡  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ፡ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታት ኤርትራ ከም ትካላት ዝፍጽሞ ቅሉዕ ገበናት እናረአኻን እናሰማዕካን ናይ ሓደ ወገን ደጋፊ’ዩ ምባል ግን ቅኑዕ መልእኽቲ ኣይኮነን። ጭቡጥ መረዳእታ ክቐርበሉ ዘይኽእል ድሑርን ዘራጊቶን ኣረኣእያ’ዩ።  እዚ ኣረኣእያ’ዚ ፈታውን ጸላእን ዘይፈሊ፡ ንበዳልን ብዱልን ብማዕረ ሰሪዑ ዝሃርም፡ ውጹዓት ተኸባቢሮም፡ ተናቢቦም ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢኦም ከይቃለሱ ዘሰኻኽፍ፡ ነቲ ብነዊሕ መስርሕ ቃልሲ እናደልደለ ዝመጸ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ዝጎድእ፡ ንዘቤታዊ ጸላኢ ጥራሕ ዘገልግል  ብምዃኑ፡ ካብ ስምዒታዊ ግብረ መልሲ ብዝደሓነ ሓላፍነታዊ መንገዲ  ክእረም ይግባእ።  

መ. ምፍንጫልን፡  ምስ ሓድሽ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ተጸንቢርካ ብኣቋራጭ ክትዕወት ምምናይ  ዝምልከት፡-

 ብርግጽ ጸረ-ዘቤታዊ መግዛእቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ከም ዝነውሐ ኣይካትዕን። ብምንውሑ ከኣ ኣብ ገለ ወገናት ምስልቻው ፈጢሩ። ኣቐዲምካ ኣብ ዝሓዝካዮ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ሰቢትካ ኣብ ክንዲ ምቕጻል፡ ገለ ውድብካ ኣፍሪስካ ናይ ትሕዝቶ ለውጢ ዘይብሉ ማሕተም ምቕያር፣ ገለ ድማ ውድብ እናሃለዎም መምስ ዝመጸ ማዕበላዊ ምንቅስቓሳት ተጸቢሮም ብኣቋራጭ ክዕወቱ ክነጥፉ ይረኣዩ።  

  ሓደ ሰብ ኣባል ፖለቲካዊ ውድብ ክኸውን እንከሎ ብኣካል ዘይኮነስ ኣብ ዕላማ ኣሚኑ’ዩ ዝውደብ። ኣብ ዕላማ ምእማን ማለት ከኣ ኣብ ፕሮግራም፡ ናይ ርሑቕን ቀረባን መሰረታዊ መትከላት ናይ’ቲ ውድብ  ምእማን ማለት’ዩ። ናይ ለውጢ ግዜ ስለ ዝነውሐ ኢልካ ነቲ ንነዊሕ ግዜ ክትቃለሰሉ ዝጸናሕካ መሰረታዊ ፖለቲካዊ መትከላት ኣፍሪስካ፡ “መለሳ ቆሎ ጥጥቖ” ዓይነት ውድብ ዘብለካ ማሕተም ምቕያር፣ ወይ ከኣ ካብ ኣገባብ ወጻኢ ኣብ ክልተ ውድባት ክትህሉ ምፍታን መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጌጋ’ዩ። ስለምንታይ?

ተልእኾ ሓቀኛ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ውድብ ብኣካል ኣብ ኮረሻ ስልጣን ምድያብ ጥራሕ ኣይኮነን።

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 17 February 2026

ፖለቲካ ኤርትራ  ዛጊት ትርጉም ዘለዎ ቀላሲ መሪሕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይረኸበን። ኣብ ርእሲኡ ተቖጻጻሪ ዘይብሉ ፍኑው  ማሕበራዊ መራኸቢታት  ስለ ዝተፈጥረ፡ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብን ተልእኾ ፖለቲካዊ ውድብን  መመሊሱ ይዛባዕን ንድሕሪት ይምለስ ኣሎን። ገለ ውልቀ ሰባት፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ትካላት ሜድያን ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ ህልዊ ህዝባዊ ወጽዓን ህዝባዊ ሓላፍነትን ዘዛብዕ፡  ዕማም ፖለቲካዊ ውድብ ፖለቲካዊ ስልጣን ምሓዝ’ዩ ብዝብል ካብ ስነ-ፍልጠት ዝረሓቐ መልእኽቲ የመሓላልፉ ኣለው። እዚ ብኣጋ ክራሕ ዘለዎ፡ ህዝቢ ንመሰሉ ብንቅሓት ተወዲቡ ኣንጻር ደመኛታት ጸላእቱ ከይቃለስ ዘደናግር ድሑር መልእኽቲ’ዩ።

Read more: ተልእኾ ሓቀኛ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ውድብ ብኣካል ኣብ ኮረሻ ስልጣን ምድያብ ጥራሕ ኣይኮነን።

ምጭዋይን ምልቃቕን፡ ምእሳርን ምፍታሕን ብዓይኒ ሕጊ በበይኑ’ዩ።

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 17 January 2026

ካብ ኣጋ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ ዓመተ 2025 ጀሚሩ፡ ደሃይ ኣጥፊኦም ካብ ዘለው ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ግዳያት፡ ውሑዳት ከምዝተለቁ ይዝረብ ኣሎ። ደሃይ ዘይነበሮም ሰባት ናብ ቤተሰቦም ምጽንባሮም የሐጉስ። እንቋዕ ከኣ ብርሃን ጸሓይ ንምርኣይ በቓዕኩም ምባል ንቡር’ዩ። ከም’ቲ ድምጻዊ ነፍስሄር ኪሮስ ኣለማየሁ “ ምቕና ኩሉ ንምርኣይ” ክብል ዝገለጾ ብህይወት ምቕናይ ጸጋ ስለ ዝኾነ እንቋዕ ትቕኒ ትንፋስ ረኸብኩም ክበሃል ኣብ ቦትኡ’ዩ።  

 ብካልእ መልክዑ ብፍላይ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝርከቡ ማዕከናት ዜና ዝጥቀምሉ ቃላት ብሕግን ብተግባርን ብልክዕ ነቲ ፍጻሜ ዝገልጽ ክኸውን ይግባእ። ንኣብነት ኣብ መንጎ ጭውያን ማእሰርትን ዘሎ ፍልልይ መሰረታዊ’ዩ። እዞም ተፈቲሖም ዝበሃሉ ዘለው ዜጋታት ካብ መጀመርታ ተጨውዮም ድዮም ወይስ ተኣሲሮም ነይሮም ብብሩህ ምምላስ የድሊ። እዞም ሰባት ብጭቡጥ ጥፍኣት ብወግዒ ብሕጊ ኣይተኣስሩን። ተጨውዮም’ዮም ተወሲዶም። ስለዚ ከኣ ብዘቤታዊ ገዛእ ተጨውዮም ምስተወስዱ ደሃይ ዘይነበሮም ዜጋታት ተለቒቖም ተባሂሉ’ዩ ክግለጽ ዘለዎ። ገለ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ካብ ዝርከቡ ማዕከናት ዜና፡ መንግስቲ ኤርትራ እሱራት ፈቲሑ ዝብል ዘመሓላልፍዎ ዜናዊ ጸብጻብ ‘ምበኣር ክእረም ይግባእ። ኣሲርዎም ዝነበረ ፈቲሑ ዝብል ብኣካል ኣብ ቀይዲ ምንባሮም ደኣምበር ብዓይኒ ሕጊ  ብኸመይ ከም ዝተወስዱ  ኣየርእን። እንታይ ምኽንያት ገይሩ? ሕጋዊ መስርሕ ሕጊ ተኸቲሉ ካብ ቤት ፍርዲ ናይ መእሰሪ ፍቓድ ኣውጺኡ ድዩ ኣሲርዎም? ኣብ ሕጋዊ መጋባእያ ኸ ኣቕሪብዎም’ዶ? ባዕሎም ድዩ ጠበቓ ገይሮም ንዝቐረበሎም ክሲ ክከላኸሉ ዘይኽእሎም መሰል ነይርዎም’ዶ? ምስ ስድራ ቤትን ፈተውትን ናይ ምርኻብን ምዝራብን ነጻነት ከ ነይርዎም’ዶ ንዝብል መሰረታዊ ሕቶ ኣይምልስን። ነዚ ሕቶታት’ዚ ዘይምልስ ከኣ ጭውያ ‘ምበር ማእሰርቲ ኣይበሃልን። 

Read more: ምጭዋይን ምልቃቕን፡ ምእሳርን ምፍታሕን ብዓይኒ ሕጊ በበይኑ’ዩ።

ኣብ ዳስ ዘቤታዊ ጸላኢ ከይድካ ምስዕሳዕ ከም ሰብ’ዶ ከም እንስሳ?

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 17 January 2026

በሃማትን  ዛጊት ኣለው’ዮም።

  እዞም ከምዚ ዝገብሩ  ሰባት፡ ብሓቂ ብንቕሓት ብምሉእ ሕልናዊ ዕግበት ስለ ዝተሓጎሱ’ዮም ከም ዝገብሩ ዘለው  ክትብል ብርግጽ ናብ’ቲ ናቶም ደረጃ ምውራድ ከስምዕ ይኽእል’ዩ። ግን ከኣ ሰባት እንድዮም ዝሓስብ ዘመዛዝን ኣእምሮ ኣለዎም እንድዩ ስለምንታይ ካብ’ቲ ዝሓለፍዎ መስገደል ትምህርቲ ዘይወስዱ? ኣብ’ቲ ብተነጻጻሪ እፎይ ዝብልሉ ቦታ ብምብጻሖም ተመስገን ኢሎም ናይ ቅኑዕ ሕልና ዘለዎ ሰብ ዘይሓስቡ/ባ? ብሰንኪ መን ተሰዲዶም እቲ ኣብ ዓዲ ዝገደፍዎ ህዝቢ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዝርከብ እናፈለጡ ኣብ ዳስ ጸላኢ ከይዶም ክስዕስዑ ምርኣይ ግን የተዓዛዝብ። ኣተሓሳስባኦም ከም ሰብ’ዶ ከም እንስሳ ዝብል ሕቶ ክተልዕል ድማ ይድርኸካ።  

Read more: ኣብ ዳስ ዘቤታዊ ጸላኢ ከይድካ ምስዕሳዕ ከም ሰብ’ዶ ከም እንስሳ?

ጠንቂ ፖለቲካዊ ሕማም ኤርትራ ኤርትራዊ፡ ፖለቲካዊ መድሓኒቱ ከኣ ኣብ ኢድ ኤርትራውያን፡-

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 04 December 2025

ካብ’ታ ዝነኣሰት ግን ከኣ፡ መሰረት ቀጻልነት ሕብረተ-ሰብን ሃገርን ዝኾነት ስድራ ቤት ጀሚሩ፡ ክሳብ’ቲ ዝዓበየ  ብሃገር ደረጃ ዝኽሰት ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ምሕደራን ፍልልያት፡ ካብ  ንኹልኻ ዘኽስር ተራ ህልኽን ጸለመን ርሒቕካ፡ ቅድም ቀዳድም ዘቤታዊ ጉዳይካ ገምጊምካ፡ መን ጠንቂ መን ሳዕቤን  መዚንካ ንዕኡ ዝፍውስ መፍትሒ ሓሳባት ቀሪብካ ብተግባር ክትሰርሓሉ ይግባእ። ካብ’ዚ ወጻኢ ውሽጣዊ ጉዳይካ ካልእ ግዳማዊ ሓይሊ ክፈትሐልካ ምጽባይ፡ ኩለንተናዊ ረብሓኻን ክብረትካን ዘስእን ተሓንጋርነት’ዩ።

Read more: ጠንቂ ፖለቲካዊ ሕማም ኤርትራ ኤርትራዊ፡ ፖለቲካዊ መድሓኒቱ ከኣ ኣብ ኢድ ኤርትራውያን፡-

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ኣብ ጎዶቦናን ኣህጉርናን ዝተኻየዱ ክልተ ወተሃደራዊ ፍጻሜታት፡-

Details
Written by: ክብሮም ከሰተ
Published: 20 November 2025

ኣህጉርና ኣፍሪቃ ናይ ባህሪያዊ ጸጋታት ድኽነት የብላን። በበዓይነቱ ክቡር መዓድናት ኣለዋ። ንኣግራብን ኣዝርእትን ሓዊስካ፡ ንኹሎም ህይወታውያን ፍጡራት ዝሰማማዕ ናይ ኣየር ጠባይ ኣለዋ። ክመሃር ክመራመር ክሰርሕ ዝኽእል ብዙሕ ሓይሊ መንእሰይ ዝርከባ ኣህጉር እውን’ያ። ግን ከኣ ብስእነት ህዝባዊ ውግንና ዘለዎ መሪሕ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ሓይልን፡ ብርሰት ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ህዝብታት ኣፍሪቃ ተጠቀምቲ ባህሪያዊ ጸጋታቶም ኣይኮኑን። ምንጪ እንጀራ ኣብ ማይ ቤቶም እናሃለወ፡ ብተናጸል ድዩ ብእኩብ ከም ህዝብን  ብደረጃ መንግስትን፡ ሰብኣዊ ክብሪ ብዘዋርድ ኢዶም ናብ ምጽወታ ምዕራባውያን ካብ ምዝርጋሕ ደው ኣየበሉን። እቲ ኣፍራዪ ሓይሊ መንእሰይ ንዘመናዊ ባርነት ናብ ስደት ይውሕዝ ኣሎ። ስለዚ ከኣ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ዛጊት ናይ ድኽነት፡ ድሕረትን ኲናትን ተምሳሌት ኮይና ትቕጽል ኣላ።

Read more: ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ኣብ ጎዶቦናን ኣህጉርናን ዝተኻየዱ ክልተ ወተሃደራዊ ፍጻሜታት፡-

  1. ለበዋ ንኹሎም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ዙርያ ማዕከናት ዜና ንዝነጥፉ ዘለው ተቓለስቲ፡-
  2. ብርጌድ ንሓመዱ ግዝያዊ ጭርሖ ዝኣከቦ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ’ምበር፡ ሓደ ሓጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይነበረን።
  3. ግዝኣታዊ ልኡላውነትና ከይድፈር፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድፋዕ ፖለቲካዊ ድሕረት ይሰበር።
  4. ግዝኣታዊ ልኡላውነትና ከይድፈር፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድፋዕ ፖለቲካዊ ድሕረት ይሰበር።
  5. ብምኽንያት መበል 64 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ዝወጸ፡ ውድባዊ መግለጺ፡
  6. ዘርእን ቦታን ዘይፈሊ ቅኑዕ ሰብኣዊ ሕልናን ፍትሓዊ ፖለቲካዊ መርገጽን ብኩሉን ኣብ ኩሉን ይጠጥዕ።
  7. ነቲ ሕቡእ ዘግሃደ “ጽምዶ” ዝኸፍአ ጫፍ ፖለቲካዊ ክድምናን መግደፍን።
  8. ድምጺ ግፉዓት ዘይምዃን፡ ዘይተገዳስነት ወይስ ካብ ዝርገተ ሓሳብ ዝብገስ መርሆ ምስኣን?

Page 1 of 20

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10

Designed by pickjoomla.com