ህዝቢ ኤርትራ ንሃገራዊ ነጻነት፡ ታሪኻዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ሕጋዊ መርተዖ ዘለዎ ፍትሓዊ ሕቶ’ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ’ዩ ናይ ምሉእ ህዝባዊ ደገፍ ዝነበሮ። ኣብ ታሪኽ ንስለ ነጻ ሃገርነትን ህዝባዊ ልኡላውነትን መተካእታ ዘይብላ ህይወቶም ንስቓይን መስዋእትን ዝቐረቡ ቅኑዓትን ተበዓትን ደቂ-ህዝቢ ዝተራእይሉ’ዩ። እንተኾነ ኣብ ሓጺር ግዜን ብውሑድ መስዋእትን ከይረጋገጽ ነገራት ሓላሊኾም ሓቂ ዘዛብዑ ወገናት ነይሮም። ብሰሪ’ቲ ንሳቶም ዝተኸተልዎ ዝተዋደደ ውዲት፡ ዝተናበበ ድሑር ፕሮፖጋንዳዊ ጸለመን እቲ ሰውራ ብልዕልና ሓይሊ ሓሳብ ከይምራሕ ኣንፈቱ ስሒቱ። ንሕና ናይ ተግባር’ምበር ናይ ዘረባ ኣይኮናን እናተባህለ፡ ኣመንጨውቲ ልዕልና ሓይሊ ሓሳብ ዝኾኑ ንቑሓት ተቓለስቲ፡ ብሕቡእን ብቕሉዕን፡ ብውልቀን ብጃምላን ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ተረሽኖም። ከም ሳዕቤኑ እቲ ቃልሲ  30 ዓመት ወሲዱ። ብመስዋእቲ ኣንጻር ልዕሊ’ቲ ብዘይተጸንዐ፡ ፖለቲካዊ ኣድልዎ ብዘለዎ ብሓደ ኣካል ዝተገልጸ 65 ሽሕ፣ ክንድኡን ልዕሊኡ ዝግመት ውጉኣት ሓርነት፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ነውጺ ሞራላዊ ውድቀት ከቢድ ዋጋ ክኽፈል ኣገዲዱ። 

  እዞም ህዝቢ ኤርትራ ብግዜን ብመስዋእትን ካብ ልክዕ ንላዕሊ  ክኸፍል ዝገበሩ ኣካላት ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ኮይኖም፡ ብስትራተጂ ሓደ ብኣካል ክልተ’ዮም። ስትራተጂኦም ንፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሃይማኖትን ከባብን ፈላሊኻን ኣዳኺምካን ምብርዓን’ዩ። ኣካላዊ ኣቀማምጣኦም ኣብ ደምበ ጸላእን ደምበ ፈታውን ነይሮም። ብሃ/ስላሴ ዝምራሕ መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ መሻርኽቱ ምምሕደራ ኣመሪካን እስራኤልን ለኣኽቲ በቲ ሓደ፡ ተለኣኺ ኢሳያስን ጉጅለኡን ከኣ በቲ ካልእ። እቶም ናይ ግዳም ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ጸረ-ፍትሓዊ ሕቶና እንተተዋደዩ ኣይገርምን። ምኽንያቱ ንሳቶም ነናቶም መበገሲ ዘለዎም ባዕዳውያን’ዮም።

ክገርመናን ከቖጠዓናን ዘለዎስ እቲ ብኣካል ምሳና ብዕላማ ኣንጻር ፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ፈጣርን መራሕን ህ.ግ.ሓ.ኤ/ህ.ግ.ደ.ፍ  ኢሳያስ ኣፈወርቂ’ዩ። ንሱን ጃንዳኡን  ብባህሪ፡ ብፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ፡ ብሕጋዊ ተሓታትነት ካብ’ቲ  ተሓኤ ትኽተሎ ዝነበረት ኣንፈት ዝተፈልየ ርእይቶ  ኣይነበሮን። ሃይማኖታውን ቦታውን ጸጊዕነት ዘለዎ  በታኒ ርሕቶ እይቶ ሒዙ’ዩ ተፈልዩ። እዚ ከኣ  ነቲ ስውር ኣዕናዊ ተልእኾ ንምዕዋት ዝተጠቕመሉ ጉልባብ’ዩ፡፡ ስለምንታይ’ሲ ፖለቲካዊ ድሕረት ብፖለቲካዊ ድሕረት ኣይግራሕን። ነዚ ጉልቡብ ተልእኾ’ዚ ብኣጋ ዘቕለብሉ ንቑሓት ርሑቕ ኣመቲ ተጋደልቲ ነይሮም’ዮም። ስኽፍታኦም ድማ ብወግዒ ገሊጾም’ዮም።  ስዒቡ ክምለጽእ ዝኽእል ሓደጋ ዝርዳእ ብዙሕ  ስለ ዘይነበረ ግን ተቐባልነት ክረክብ ኣይከኣለን።

 ብኣንጻሩ ዝተባህሎም ከይመመዩ ዝጎስሙን ዘተግብሩን፡ ብፕሮፖጋንዳዊ ጸለመ ነብሶም ዝረስዑ በሃማት ስለ ዘፍረየ፡ ኣብ ውሽጢ ሓርበኛ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ብስም ህዝቢ ዝጣላዕ ግን ከኣ ንህዝቢ ከም ህዝቢ ዝንዕቕ፡ ብደም ንጹሃት ዝጨቀወ ጉጅላዊ መሪሕነት  ኮይኑ ቀጺሉ። ካብ 70ታት ክሳብ ሎሚ ድማ እነሆ  ኣብ ዝርገተ ቅኑዕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ፣ ዝርገተ ሓድነት ህዝብታት ኤርትራን ፍርሰት ልኡላውነት ኤርትራን ብስውር ዘይኮነ ብግልጺ ይሰርሕ ኣሎ። እዚ ባዕዳዊ ተልእኾ ዝተሰከመ ባእታን ሰዓብቱን፡ ብውሕዱ ካብ’ቲ ኣዕናዊ ምልክታቱ ክረአ ዝጀመረሉ 1970 ክሳብ ሎሚ 2026 56 ዓመት ገይሩ ኣሎ።

  ሓደ  ግዳማዊ ተልእኾ ዝተሰከመ ሰብ፡ 56 ዓመት ከም ተራ ተጋዳላይ ዘይኮነ ኣብ ወሳኒ ፖለቲካዊ መሪሕነታዊ ቦታ ኮይኑ ምቕጻሉ፡ ንፖለቲካውን ጸጥታውን ብልሒ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ፡ ንፖለቲካዊ ኤሌት ኤርትራ ከኣ ብፍላይ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ዘሕፍር ተርእዮ’ዩ። ሓደ ካብ ብጊሓቱ ኣበር ከም ዘለዎ ዝፍለጥ በታኒ ባእታ ስለምንታይ ኣብ’ዚ ኣዝዩ ዘሐብን መስተንክራዊ ሓርበኛዊ ቅያ ዝተመዝገበሉ  ህዝባዊ ፍትሓዊ ቃልሲ ገባራይ ሓዳጋይ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ የደንጹ። ብፍላይ እቶም ሃገር ብዝብል ጉልባብ፡ ካብ ልዕልና ሓይሊ ሓሳብ ርሒቖም፡ መሰረት ብዘይብሉ ወፍሪ ጸለመ፡ ንስልጣን ውልቀ-ሰብ ክከላኸሉ፡ ኣሓቶምን ኣሕዋቶምን ክስልዩ፡ ክጨውዩ፡ ብፍጹም ጭካኔ ክቐትሉ፡ ንህዝቢ ከም ህዝቢ ኣብ’ዚ ሕጂ ንርከበሉ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ክንወድቕ ተራ ዝነበሮምን ዘለዎም ኣካላት፤     

1.             ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ  “ ንሕናን ዕላማናን”  “ዓማ ከም ጨው ክተሓቅቕ’ያ”  ብዝብል ዝኸይድ ዝነበረ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓሳት ፣

2.             ኣብ 1973 ንቑሓት ደሞክራስያውያን ተጋደልቲ፡ ውድብ ኣብ ፍጹም ምሕረት ሓደ ሰብ ይወድቕ ኣሎ። ኣካይዳና ነስተኻኽል፡ ህዝባውያን ደሞክራስያውያን ንኹን ዝብል ግልጺ ርእይቶ ብምቕራቦም ኣውራጃውያን  ብዝብል ጠቐነ ብውልቀን ብጃምላን ኣብ ዝጭወይሉን ብጭካኔ ኣብ ዝርሸንሉ ዝነበሩ መድረኽ፣

3.              ተ/ሚካኤል ጀርጆ (ወዲ-ጀርጆ) ኢሳያስ  ኤርትራዊ ናይ ነጻነት ተጋዳላይ ዘይኮነ፡ ንፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንምብርዓን ብስርዓት ሃ/ስላሴ ዝተላእከ፡ ምስ ማእከል ስለያ ኣመሪካ ርክብ ዘለዎ ሰላይ’ዩ ክብል ብሰነድ ኣሰንዩ ንዝሃቦ ሓበሬታ፣

4.               እዚ ባእታ ኣዕናዊ ደማዊ ኲናት ሕድሕድ ኣብ ምብላሕ፡ ምውላዕን ዝነበሮ ኣሉታዊ ተራ፡ ሳዕቤን ደማዊ ኲናት ሕድሕድ ኣብ’ቲ ቃልስን ህዝባዊ ሓድነትን እንታይ ከምጽእ ይኽእል፣

5.             ኣብ 1994 ናይ ንእስነት ዕድሚኦምን ፍርቂ ኣካሎምን ንስለ ሓርነት ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ዝኸፈሉ ውግኣት ሓርነት ብቐጥታዊ ትእዛዙ ዝፈጸሞ ገበን፣

6.             ኣብ መፋርቕ 90ታት ብዘይዝኾነ ኣፍልጦን ውሳኔ ህዝብን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዶባተን ናብ ትርጉም ዘይብሉ ደረጃ ማዕቢሉ ስለ ዘሎ ብኮንፈደረሽን ክተኣሳሰራ ኣለወን ክብል ዝሃቦ መግለጺ፣

7.               ኣብ 1998 ኣይኮነን ህዝቢ፡ ምስኡ ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ከየማኸረ  ብጉልባብ ዶብን ባድመን ምስ ጎሬቤት ሃገር ኢትዮጵያ ዝወለዖ ኣብራሲ ኲናት፣

8.              ብ2001 ኣብ ውሽጡ ስለምንታይ ኣብ ዶባዊ ኲናት ኣቲና? መን ከ ይሕተተሉ? ቅዋም ይተግበር፡ ዓለም ብትምረሓሉ መንገዲ ንኺድ….ወዘተ ዝብል ጽገናዊ ለውጢ ክግበር ዝጠለቡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት ዝነበሩ ፖለቲከኛታት፡ ወነንቲ ኣዳለውትን ኣቕረብትን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዝነበሩ ጋዜጠኛታት፡ ብዘይ ጭቡጥ ምኽንያትን ሕጋዊ መስርሕን ዝተወስደ ቀይዲ በተኻዊ ስጉምቲ፣

9.             ኣብ 2018 ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈጥረ መንግስታዊ ምንጋዕ፡ ብዘይቃልዓለም ኣብይ ክትመርሓና ኣለካ። ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ’ዩ ዝብል ሓቂ ዘይፈልጥ’ዩ። ጉዳይ ዶብ ቀዳምነት ንህዝቦ ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ከይትፈርስ ብኹሉ ዓቕምና ክንሰርሕ ኢና ኢሉ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጸሞ  ኩለ-መዳያዊ ዘርኢ ምጽናት፣

10.          ብጽምዶ መንግስቲ ፈደራልን እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ኤርትራን ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ብዘርኢ ምጽናት (ጆኖሳይድ) ዝተመዝገበ ኲናት፡ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን  ውድብ ህወሓትን ኣብ ፕሪቶሪያ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ምስ ብልጽግና ዝነበሮ ዘይመትከላዊ ዕርክነት ንፋስ ኣትይዎ፡ ብልጽግና ንልኡላነት ኤርትራ ዝዳፈር መሰረት ዘይብሉ  ቅሉዕ ጎስጕስ  ምስጀመረ፡ ኢትዮጵያ ንምድሓን “ኣብ ኲናት ትግራይ ተዓዲምና ኣቲና፡  ክብል ብወግዒ ዝገለጾ፣

11.          ካብ ፈለማ 80ታት ኣትሒዙ ንምዝራቡ ዘሕፍር ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዝቕጽሎ ዘሎን ብግፋ ዝፍለጥ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ድማ ምስ ኩሉ ህርኩትነቱን ጸጋታቱን ንድኽነት ክቃላዕ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ሃይማኖታዊ ክብርታቱ ክፈርስ፡ ናብ ስደት ክውሕዝ፡ ግዳይ ሳዕቤናት ስደት ኮይኑ ተበታቲኑ ክዳኸም ክሰርሓሉ ዝጸንሐ መደብ፣

12.         ኣብ ኣጋ መወዳእታ ዓመተ 2025   ነቲ ብወግዒ ዘይዛረበሉ ግን ከኣ ግጡም ልኡኽ ምንባሩን ምህላውን ዘራጉድ፡ ምስ ምምሕዳር ኣመሪካ “ጽምዶ ጀሚርና ኣለና” ብፍላይ ከኣ ዓመተ 2026 ናብ ዝለዓለ ክልተኣዊ ረብሓታት ዘረጋግጽ ስትራተጂካዊ ዝምድና ከነዕብዮ ኢና ክብል ዝሃቦ  መግለጺ፣

13.          ኢትዮጵያዊ ዶ/ር ኣስፋ ወሰን ኣስራተ ካሳ ምስ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ደረጀ ሃይለ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብመሰረት “እሾኽ ብእሾኽ” ወይ ገረብ ብሓኽላ ዝብል ፖሊሲ ንጉሰ ነገስታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከፍርስ ዝተላእከ ምንባሩ ምምስካሩ፣

ምስ ሓቅን ፍትሕን ዝተጋጨው ኣመለኽቲ ኢሳያስ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጭቡጥ ሓቅታት ብኣጋ ዘይምቕባልና፡ ከም ሰባት ደው ኢልና ነገራት ኣገናዚብና ክንርዳእ ብዘይምኽኣልና፡ ድሌትን ውሳኔን ሓደ ሰብ ከነተግብር ብምጽናሕና ንሓፍ’ዶ ይብሉ ወይስ ብዝጸንሕዎ ይቕጽሉ ምርጫኦም ዘነጽርሉ ሎሚ’ዩ።

 

                                                        ክብሮም ከሰተ

                                                        20 ሚያዝያ 2026