mekaleh-eritra.org
  • መቓልሕ
  • እዋናዊ ዜና
    • ርእሰ ዓንቀጽ
    • ዜና ትግርኛ
    • الأخبار العربية
    • News English/Deutsch
    • ቪድዮ Video فيديو
    • ካሪካቱር Caricatur
  • እዋናዊ ዓንቀጽ
    • ሓተታ
    • ግጥሚታት
    • ርእይቶ
    • ቃለ መጠይቕ
    • መልእኽትታት
  • መግለጺታት
    • ጋዜጣዊ መግለጺ
    • ሓበሬታ
    • ኣገዳሲ ቆጸራታት
    • ቃል ሓዘን
    • ወግዒ ም.ቍዉምነገር
  • ኣገደስቲ ሰነዳት
    • ታሪኽ ኤርትራ
      • ሕግታት እንዳባታት ኤርትራ
    • ሰልፍታት ኤርትራ
    • ሰነዳት ው.ሕ.ሃ
    • ፖለቲካዊ
    • ቁጠባዊ
    • ማሕበረሰባዊ
  • መራኸቢ ብዙኃን
    • መርበባት
    • ራድዮ ማዕከናት
      • ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
      • ድምጺ ኣመሪካ - VOA
      • ራድዮ ሽቱትጋርት ጀርመን
      • ራድዮ ወጋሕታ
      • ረድዮ ኤረና
    • መጽሔታት
      • ህዝባዊ ደሞክራሲ
      • ሓባሪት ባይቶ
    • ረክላም
  • ሓላፍነት መበብና
    • ኢምፕረሲዩም
    • ኣቀራርባ ድርሰታት
    • ብዛዕባና - ዕላማና
    • ተወከሱ(ሳ)ና
  • ምጭዋይን ምልቃቕን፡ ምእሳርን ምፍታሕን ብዓይኒ ሕጊ በበይኑ’ዩ።
  • ኣብ ዳስ ዘቤታዊ ጸላኢ ከይድካ ምስዕሳዕ ከም ሰብ’ዶ ከም እንስሳ?
  • UN calls for unconditional release of about 10,000 Eritreans arbitrarily detained
  • Destabilization as Modus Operandi: Eritrea and the Sudan Conflict
  • ጠንቂ ፖለቲካዊ ሕማም ኤርትራ ኤርትራዊ፡ ፖለቲካዊ መድሓኒቱ ከኣ ኣብ ኢድ ኤርትራውያን፡-
  • US pauses all pending green card applications from 19 'countries of concern'
  • Eritreans lose their Norwegian citizenship for falsely claiming they fled from the Eritrean regime
  • ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ኣብ ጎዶቦናን ኣህጉርናን ዝተኻየዱ ክልተ ወተሃደራዊ ፍጻሜታት፡-
  • ለበዋ ንኹሎም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ዙርያ ማዕከናት ዜና ንዝነጥፉ ዘለው ተቓለስቲ፡-
  • ብርጌድ ንሓመዱ ግዝያዊ ጭርሖ ዝኣከቦ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ’ምበር፡ ሓደ ሓጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይነበረን።
  • ግዝኣታዊ ልኡላውነትና ከይድፈር፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድፋዕ ፖለቲካዊ ድሕረት ይሰበር።
  • With the media focused on Gaza, Christians across Africa fall to a globalizing jihad
  • No internet, no social media, no digital activity; 99% people in this country live life in old, traditional way
  • Pro-Eritrea TPLF says ready for war against Ethiopia
  • ግዝኣታዊ ልኡላውነትና ከይድፈር፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድፋዕ ፖለቲካዊ ድሕረት ይሰበር።
  • ብምኽንያት መበል 64 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ዝወጸ፡ ውድባዊ መግለጺ፡
  • Booming cross-border gold smuggling by the Eritrean and Tigrayan military
  • Army 15 Opposes TPLF, Calls Peaceful Resolution to Contested Areas
  • US State Department Report on Human Rights in Eritrea
  • ዘርእን ቦታን ዘይፈሊ ቅኑዕ ሰብኣዊ ሕልናን ፍትሓዊ ፖለቲካዊ መርገጽን ብኩሉን ኣብ ኩሉን ይጠጥዕ።

We have 41 guests and no members online

ዜና ትግርኛ

ብርጌድ ንሓመዱ ከም ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ)፡ ፈተውቲ ብዝመስሉ ወገናት ጉዕዘኡ ከይቑጸ ክጥንቀቕ ይግባእ

Details
Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)
Published: 27 April 2024

 ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኮነ እኩባት ሰባት፡ ጸረ-ግፍዕን ገፋዕትን ደው ምባል፡ ወገን ግፉዓት ምዃን ኣወንታዊ እዩ።  መግለጺ ሓርበኝነትን ዘይተንበርካኽነትን’ዩ። ክብርን ደገፍን ድማ ዝግበኦ እዩ።  ኣብ ብዙሓት ነጻነታዊ ድዩ ሓርነታዊ ሕቶ ንምምላስ፡ ሰላማውን ዕጥቃውን ቃልሲ ዝተኻየደለን ሃገራት ከም ዝተራእየ ግን፡  ጸረ-ገፋዕቲ ዝካየድ ቃልሲ፡ ግብራዊ ተወፋይነትን ድልውነት ንመስዋእትን ንበይኑ እኹል ኣይኮነን። ዕሙቕ ዝበለ መጽናዕትን ቅድመ ምድላውን ኣጻፊፍካ ምብጋስ ይሓትት። ግቡእ መጽናዕትን ቅድመ ምድላውን ምግባር ፖለቲካዊ ተፈጥሮ፡ ሰብኣውን ቁጠባውን ዓቕሚ ጸላኢኻ፣ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ቁጠባዊ ዓቕምን መስዋእቲ ከፊልካ ሓራ ከተውጸኦ ዝተሰለፍካሉ ህዝቢ፣ ከባብያውን ዓለማውን ኩነታት ኣብ’ቲ ተካየዶ ዘለኻ ቃልሲ ዝህልዎ ኣወንታውን ኣሉታውን ተጽዕኖ፣ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኩለንተናዊ ዓቕምን ክትፈልጥ ይሕግዘካ። መጽናዕትን ቅድመ ምድላውን ከይገበርካ ብቑጠዐ ጸረ ግፍዕን ገፋዕትን ምብጋስ ግን፡ ነገራት ዝደዋውስ ብዙሕ ዋጋ ዘኽፍል፡  ግጉይ ኣገባብ’ዩ። ክሳብ’ውን ሸቶኻ ከይሃረምካ ናይ ሓጺር ግዜ ክስተት ኮይንካ ታሪኽ ትኾነሉ ኣጋጣሚ ዘስዕብ ሓደጋ ዘለዎ እዩ። 

Read more: ብርጌድ ንሓመዱ ከም ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ)፡ ፈተውቲ ብዝመስሉ ወገናት ጉዕዘኡ ከይቑጸ ክጥንቀቕ ይግባእ

ደድሕሪ ህዝቢ ዝኸይድ ውድብ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን።

Details
Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)
Published: 18 April 2024

 ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ፡ ህዝቢ ብብልሓትን ብዘገምታን ተበታቲኑ ክጠፍእ ዓቕሙ ጸንቂቁ ዝሰርሕ ዘቤታዊ ጸላኢ ብሓደ መዳይ፡ ነቲ ጠንቂ ኣሊኻ ናብ ንቡር ፖለቲካዊ ምሕደራ ንምምላስ ኣብ ዝጠልብ ወሳኒ  ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ከኣ በቲ ካልእ መዳይ ይርከብ ኣሎ። ኣብ’ዚ ወሳኒ መድረኽ’ዚ ሓደ ንነብሱ ከም ኣካል ደምበ ተቓውሞ ዝፈልጥ ፖለቲካዊ ውድብ እንታይ ኣማሊኡ’ዩ ክዋሳእ ዘለዎ? “ካብ ሳዕሳዕካስ ተቖጻጸ” ከም ዝበሃል፡ ኣብ ፖለቲካ ካብ ተኣትወ፡ ናተይ ዝብሎ ኣማራጺ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ኣረኣእያ ክህልዎ ይግባእ። ሕጋዊ ትካላዊ ተሓታትነት ዘለዎ መሪሕነት ፈጢሩ ብደረጃ ርሑቕ ርሕቀትን ቀረባ ርሕቀትን ከዐውቶም ዘለዎ መደባት ሓንጺጹ ክነጥፍ ኣለዎ። ብኣረኣእያ፡ ብሕግን ብተግባርን ነዚ ዘየማለአ ክንሱ፡ ንነብሱ ከም ምሉእ ፖለቲካዊ ውድብ ዝርኢ እንተኾይኑ ጌጋ እዩ። ተራ ማሕበራዊ  ምትእኽኻብ ‘ምበር ንጹር ዕላማ ናይ ዘለዎ ፖለቲካ ውድብ ምዃኑ ኣየመልክትን።

Read more: ደድሕሪ ህዝቢ ዝኸይድ ውድብ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን።

ውሳኔ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ 19 መጋቢት 2024፡ ውጽኢት ውሁድ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ወፍሪ’ዩ።

Details
Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)
Published: 29 March 2024

ኣበይ ሃገር ኣሎ ብዘየገድስ፡ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኲናት፣ ዓፈና፣ ድኽነት፣ ኣድልዎ፣ ኣነ ይፈልጠልካ ዝተበሃልካዮ ግበር ዝብል ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ መግዛእቲ ይጸልእ። ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓት፡ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፡ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ዝተጓደለሉ ወይ ጠቕሊሉ ኣብ ዝጠፍኣሉ ህዝቢ ከም ህዝቢ ይጉዳእ። ብንቡር ዘይኮነ ብዘይንቡር ምሕደራ ክነባበር ይግደድ። ስለዚ ከኣ ኩሉ ህዝቢ ከም ህዝቢ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ልምዓት፣ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ኣብ ጉዳዩን ጉዳይ ሃገሩን ወሳኒ ኣወንታዊ ተጽዕኖ ዘሕድረሉ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ክህልዎ ይደሊ። ካብ’ዚ ዘይንቡር ግዱድ ምሕደራ ሓራ ወጺኡ ናብ ንቡር ክምለስ ይምነ። 

Read more: ውሳኔ ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ 19 መጋቢት 2024፡ ውጽኢት ውሁድ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ወፍሪ’ዩ።

ዕላምኡ ብምንጻር ዘይተወደበ ሓይሊ ተቓሊሱ ክዕወት ኣይክእልን እዩ፤

Details
Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/
Published: 26 March 2024

ጭቁናትን ግፉዓትን ሕብረተ-ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ መልክዓት ናይ ጭቆናን ሓሳረ-መከራ ነጻ ንምውጻእ ኣብ ዝገብርዎ መስርሕ ቃልሲ፡ ብቐዳምነት ካብ ዝህቡዎ ጉዳይ፡ ዕላመኦም ኣነጺሮም ምቕማጥ፡ ፈተውቶምን ጸላቶምን ፈላልዮም ምርዳእን ምቕማጥን እዩ፡፡ ስዒቡ ዝመጽእ ድማ ፍልጠቶምን ሓይሎምን ኣወሃሂዶም ውድብ /መሳርሒ ናይ ቃልሲ/ብምፍጣር ተወዲቦም ምቅላስ እዩ፡፡ ንጹር ዕላማን ዝጭበጥ እስትራተጅን ፖሊሲን ናይ ቃልሲ ከይጨበጡን ከይሰኣሉን ካብ ጭቆና ዝፈጠሮ ምረትን ስምዒትን.. ወዘተ ተበጊሶም ጸላእቶምን ፈተውቶምን ብግቡእ ብምልላይ ቃልሲ ምክያድ እንተመሪጾም ግን ጸላእቶም ብቓልሲ ስዒሮም ናብ ዛዛሚ ዓወት ክበጽሑ ኣይክእሉን እዮም፡፡ ብኣንጻሩ ዘበገስዎ ቃልሲ እናወደቐን እናተንሰአን ብዙሕ ክሳራታትን ዕንቅፋታትን እናኣጋጠሞ ኣብ መስርሕ ናይ ምፍሻልን ምብትታንን ዕድሉ ዓቢ እዩ ዝኸውን፡፡ 

Read more: ዕላምኡ ብምንጻር ዘይተወደበ ሓይሊ ተቓሊሱ ክዕወት ኣይክእልን እዩ፤

ናይ መንግስቲ ህግደፍ ዝነደየ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ህዝብን ሃገርን የዕኑን ይብትንን‘ምበር ኣየድሕንን፡

Details
Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ/ ደ.ግ.ሓ.ኤ/
Published: 26 March 2024

መሪሕነት ህግሓኤ /ህግደፍ/ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ኣብ ዘሎ ሓያሎይ ዓመታት፡ ኣወንታዊ ፖለቲካዊ ተራ ዝተጻወቶ እንተነበረ፡ ሃገራዊ ነጻነትናን ልዑላውነትናን ኣብ ሕብረተ ሰብ ዓለም ተፈላጥነት ክረክብ ኣብ ምግባር ዝተጻወቶ ኣወንታዊ ተራ ጥራሕ እዩ፡፡ ድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ከባቢ 31 ዓመታት ግን ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን መሓውራት /ትካላት/ ብምጥያስ ናብ ገዛኢ ጨቛኒ ደርቢ ነብሱ ብምስግጋር ኩሉ ድሌቱ እምነቱን ስጉምቲታቱን ኣንጻር ድሌት፡ መሰልን ጠቕምን ናይ ህዝብታትና ብምቕናዕ፡ ነቲ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዝበጽሖም ዝነበረ ጭቆናን ምዝመዛን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣጠናኺሩ ብምቕጻል፡ ህዝብታትና ሓሳረ መከረኦም ክርእዩ እናገበረ እዩ መጺኡን ዝቕጽል ዘሎን፡፡ 

Read more: ናይ መንግስቲ ህግደፍ ዝነደየ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ህዝብን ሃገርን የዕኑን ይብትንን‘ምበር ኣየድሕንን፡

ሃገራውን ህዝባውን ልዑላውነትና ዝግህስ ዘሎ፡ ዘቤታዊ ጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ እዩ፡

Details
Written by: ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡/ደ.ግ.ሓ.ኤ/
Published: 17 March 2024

ህዝብታት ኤርትራ ንሓምሳ ዓመታት ዝኣክል ሰላማውን ዓመጻውን ቃልሲ ብምክያድ፡ መጠነ-ከቢድ ኩሉ-መዳያዊ መስዋእትን ክሳራን ከፊሎም፡ ዝተፈላለየ ሓሳረ-መከራን ርእዮም ሃገራዊ ነጻነቶምን ልዕላውነቶምን ከም ዘረጋገጹ ሓቂ እዩ፡፡ ይኹን ዳኣምበር እዛ ብከቢድን ክቡርን ዋጋ መስዋእቲ ዝተረጋገጸ ነጻነትን ልዑላውነትን‘ዚ ህዝብታትና ናብ ክብ ዝበለን ዝዓሞቐን ኩነታት ብምጥንኻር ተጠቀምቲ ክኾኑ ኣከኣሉን፡፡ ሃገራዊ ናጽነትና ስማዊት ተርእዮ ጥራሕ ብምዃን፡ ናይ ገዛእቲ ደርብታት ቦታን ስልጣንን ጠቕምን ምቅይያር ጥራሕ ኮይኑ እዩ ተሪፉ፡፡ እዚ ማላት ካኣ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ተወጊዱ፡ ብምልካዊ ጨካን ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ተቐይሩን ቀጺሉን፡፡   

Read more: ሃገራውን ህዝባውን ልዑላውነትና ዝግህስ ዘሎ፡ ዘቤታዊ ጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ እዩ፡

  1. ድፍረትን ዓቐናዊ ለውጥን ጽቡቕ ይምዕብል ኣሎ፡ ፖለቲካዊ ብስለትን ዓይነታዊ ለውጥን ግን ኣይግድን።  
  2. ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ፡-
  3. ተላፊንካ ንምስራሕ ክቐርብ ዘለዎ መዐቀኒ ኣብ ሃገራዊ ልኡላውነት ዝኣምን ዘይኮነ፡  ኣብ ህዝባዊ ልኡላውነት ዝኣምን ክኸውን ይግባእ።
  4. ደረጃ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ዘማላኽቱ ሰለስተ እዋናዊ ኣሉታዊ ተርእዮታት፡
  5. ብሽፋን ነጻ ሓሳብ ነጻ ሜድያ ንክልተ ደምበ ከተገልግል ምፍታን ብህዝቢ ምልጋጽ’ዩ።
  6. ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፎርቶ ሰራዊት ኤርትራ ኣንጻር ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ክለዓል ንጽውዕ !!
  7. ኣብ ህላወ ኢሳያስ ዝህሉ ምስ ምውጋድ ኢሳያስ ዝቕህም  ኣምልኾ
  8. ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2024 ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ

Page 9 of 20

  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13

Designed by pickjoomla.com